Fana: At a Speed of Life!

ትካላት ፀፅታ ሰላም ምፅናዕ ቀንዲ ልኡኽቶኦም ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀንዲ ልኡኽቶ ትካላት ፀፅታ ፌዴሪኢ ኣብ መላእ ሃገር ሰላም ምፅናዕ ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ምርግጋፅ ሰላምን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ጠመተ ብምግባር ምስ ኣመራርሓ ትካላት ፀፅታ ዝገበርዎ መድረኽ ዘተ ሎሚ ተዛዚሙ፡፡

ሙሉእ ትሕዝቶ መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

ትካላት ፀፅታ ሰላም ምፅናዕ ቀንዲ ልኡኽቶኦም ኢዩ!

ቀንዲ ልኡኽቶ ትካላት ፀፅታ ፌዴሪኢ ኣብ መላእ ሃገር ሰላም ምፅናዕ ኢዩ፡፡ እዚ ብዝምልከት ምስ ኣመራርሓ ትካላት ፀፅታ እናተገበረ ዝነበረ ዘተ ሎሚ ተዛዚሙ፡፡

ምዕባለ ኢትዮጵያ ንኽዕወት ሰላምን ፀፅታን ዘኽእል ኩነታት ጥራሕ ዘይኮነስ ቀንዲ እታወት እውን ኢዩ፡፡ እዚ ንምኽባር ህዝብና ኣብ ባህሉን ክብሩን ተመስሪቱ ካብ ዝውግኖም ተግባራት ብተወሳኺ፣ ግደ ትካላት ፀፅታ ዘይትካእ ኢዩ፡፡ ከም ሽርሒ፣ ውንብድና ገፀርን ከተማን፣ ኮንትሮባንድ፣ ግዕዝይና፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን ገንዘብን ዝበሉ ገበናት ብምክልኻልን ምቁፅፃርን ሰላም ህዝቢ ምኽባር ከምዝግባእ ኣብቲ ዘተ ብስፍሓት ተላዒሉ ኢዩ፡፡

ምንቅስቓስ ሰባትን ሸቐጣትን ንብልፅግና ወሰንቲ ኢዮም፡፡ ብምዃኑ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝግበሩ ዘረፋታት፣ ዕግታታትን ማሕለኻታትን ብዝተፀንዐ መገዲ ምቁፅፃር ይግባእ፡፡ ሓይሊ ፀፅታና ህዝቢ በቢብርኩ ብምትሕብባር ናይዞም ኣካላት እኩይ ተግባራት ምግታእ ኢሉ እውን ናብ ሕጊ ምቕራብ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ተዋሂቡዎ፡፡

ዓበይቲ መሰረተ ልምዓታት፣ ናይ መዓድን ቦታታት፣ ኢንዱስትሪታት፣ መንበሪ ከባቢታትን ህዝቢ ዝግልገሎሎምን ድሕንነት ንምሕላውን ኣገልግሎቶም ብዘይ ማሕለኻ ክፍፅሙ ንምግባርል ምትሕብባር ኣካላት ፀፅታን ማሕበረሰብ እቲ ከባቢን ወሳኒ ከምዝኾነ ኣብቲ እዋን ዘተ ተላዒሉ፡፡

ህዝቢ ኣብ ኢዱ ዘሎ ሰላም ናይ ምሕላው ድሌት፣ ድልውነትን ዓቕሙን በቢግዚኡ እናዓበየ ብምምፅኡ ተገምጊሙ። ባህላውን መንፈሳውን ክብርታቶም ተጠቒሞም ዕጡቓት ኣካላት ናብ ሰላማዊ መንገዲ ንክመፅኡ ይገብር ኣሎ። ምስ ሓይልታት ፀጥታ ብምትሕብባር ሰላም እቲ ከባቢ የኽብር ኣሎ። ብተወሳኺ ብሓይልታት ፀጥታ ዝካየድ ዘሎ ስርሒታት ሓበሬታን ሎጂስቲካዊ ድጋፍ ይህብ ኣሎ። እዚ ድማ ዓቕሚ ህዝቢ ዝያዳ ብስልጠና ንምጥንኻርን ንዘላቒ ሰላም ምጥቃም ከምዝግባእ ኣብቲ መዛዘሚ ዘተ ተቀሚጡ፡፡

ጉዕዞ ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምትዕንቃፍ ዝዓለመ ብማሕበራዊ ሚድያ ዝፍፀሙ ግብረ ራዕዳዊ ንጥፈታት ጠመተ ሂብካ ምክትታል ከምዝግባእ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተልዓለ ኮይኑ፥ ብሳይበር ቴክኖሎጂ ክካየዱ ዝግበኦም ንጥፈታት ምክትታልን ምቁፅፃርን ዝያዳ ክጠናኸሩ ከምዘለዎም ኣብቲ ዘተ ተዓዚቡ። ብሓደ ወገን ናይቴክኖሎጂ መቆፃፀሪ ስራሕቲ ንምስራሕ፣ ብካልእ ወገን ድማ ግብረ ራዕዲ ፈፀርቲ ንመሕጊ ንምቕራብ ብኣካላት ፀጥታ ብፅኑዕ ክሰርሑ ከምዘለዎም መምርሒ ተዋሂቡ፡፡

ዘይተቛረፀ ምድላው ትካላት ፀፅታ ብሄራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ ንምኽባር ኣብ ዘኽአል ብርኪ ምብፅሑ ኣብቲ ዘተ ተገምጊሙ። ኢትዮጵያ መዝ ዘበን ዝዘመኑን ብሕገ መንግስታዊ ክብሪታት ዝተሃነፁን ትካላት ፀፅታ ትሃንፅ ከምዘላ ተረጋጊፁ። እቲ ህንፀት ናይ ኩሉ ግዘ ተግባር ብምግባር ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋንን ቦታን ድልዋት ዝኾኑ ትካላት ፀፅታ እናሃነፅና ንክንከይድ ዘኽእል ኣንፈት ተቐሚጡ።

ጂኦ ፖለቲካዊ ዝኽትምና ኢትዮጵያ ኣብ ዘኽተመሉን ቁመነኣ እናተመዓራረየ ኣብ ዝመፅአሉን ኣብዚ እዋን፥ ትካላት ፀፅታ ሉእላውነት ሃገር፣ ናፅነት፣ ዶብ፣ ሰላምን ድሕንነትን፣ ጉዕዞ በልፅግና ንምኽባር ኣብ ዘኽእልሉ ዓቕምን ቅዋመን ከምዘለዉ ተረጋጊፁ። ቀንዲ ልኡኽ ትካላት ፀፅታ ሰላም ምፅናዕ ስለዝኾነ፥ እቲ ናይ ኩሉ ግዘ ድልውነት ብዝበለፀ ብምጥንኻር፣ ናይ ውሽጥን ወፃኢን ፀገም ፈጠርቲ ኣደብ ኣትሒዙ፣ ሰላም ብዘፅንዕ መገዲ ክቕፅል ከምዘለዎ ኣንፈት ተዋሂቡ።

ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ተሓፊራን ተኸቢራን ንዘላኣለም ትንበር!!

ፈጣሪ ኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!

30 ነሓሰ 2017 ዓ.ም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.