ትካላዊ ሪፎርም ምንቅስቓስ ሓይሊታት ፀረ ሰላም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣዕቢዩ ኢዩ – ኮሚሽነር ዘላለም መንግስቴ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ዝተሳለጠ ትካላዊ ሪፎም ፖሊስ ኣብቲ ክልል ምንቅስቓስ ሓይሊታት ፀረ ሰላም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ አዕቢዩ ኢዩ ኢሎም ኮሚሽነር ፖሊስ እቲ ክልል ዘላለም መንግስቴ (ዶ/ር)።
ኮሚሽነር ዘላለም መንግስቴ (ዶ/ር) ከምዝበሉዎ፤ ፖሊስ እቲ ክልል ዓቕሚ ምኽባር ሕጊ ንምጥንኻርን ንህዝቢ ዝወሃብ ኣገልግሎት ንምምሕያሽ ኩለመዳይ ሪፎርም ገይሩ።
እቲ ሪፎርም ትካላዊ ዓቕሚ ብምጥንኻር ዝወሃብ ኣገልግሎት ፅሬቱ ብምምሕያሽ ውፅታዊ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ንምውጋን ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።
ስራሕቲ ፖሊስ ብቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ቅልጡፍን ግልፂን ንምግባር ስራሕቲ ዲጂታል ለውጢ ከምዝገበረ እውን ሓቢሮም።
እቲ ትካላዊ ሪፎርም ኣብቲ ክልል ዝተወደቡ ገበናትን ምንቅስቓስ ሓይሊታት ፀረ-ሰላም ንምክልኻል ዘኽእል ዓቕሚ እናዕበየ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!