Fana: At a Speed of Life!

ትካል ቄራታት ንበዓል ልደት ልዕሊ 5 ሺሕ እንስሳት ንማሕረዲ ተሰናዲአን ኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝቕፅል በዓል ልደት ልዕሊ 5 ሺሕ እንስሳት ኣገልግሎት ማሕረዲ ንመሃብ ምድላው ተዛዚሙ ኣሎ ኢሉ ኣዲስ ኣበባ ትካል ቄራታት፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ሙልነህ ደሳለኝ ከምዝበሉዎ÷ ንበዓል ልደት ኣብ ዋና ቤት ዕዮ ቄራን ጨንፈር ኣቃቂን ልዕሊ 5 ሺሕ ጥዕንኡ ዝተሓለወ ኣገልግሎት ማሕረዲ እንስሳት ንመሃብ ምድላው ተገይሩ፡፡

ንማሕረዲ ካብ ሞንጎ ዝመፅኡ እንስሳት 3 ሺሕ ኣብዑር እንትኾኑ÷ 2 ሺሕ ዝኾና ድማ ኣባጊዐን ኣጣልን ኢየን፡፡

ንሕብረተሰብ ዝተሳለጠ ኣገልግሎት ለንመሃብ ክፍሊ ማሕረዲ፣ መፅንሒ እንስሳትን ፅገናን ሕድሳትን ኣከፋፈልቲ ተሽከርከርቲን ከምዝተወገነ ኣብሪሆም፡፡

ልዕሊ 40 ስጋ ዝፅዕና መኻይን ድሉዋት ኢየን ዝበሉ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ÷ ካልኦት ብዙሓት ድጋፍ ወሃብቲ ተሽከርከርቲ ድሉዋት ከምዝተገበራ ተዛሪቦም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.