ትፅቢት ዝግበረሎም ናይ መልሲ ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ …
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ናይ መልሲ ፀወታታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸተ ምክያድ ክጅምሩ ኢዮም፡፡
ምሸት ሰዓት ፳፡45 ፖርቹጋላጽ ጋንታ ስፖርቲንግ ሊዝበን ኣብ ሜዳኣ ንቦዶ ግሊምት ክተተኣናግ ኢያ፡፡
ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ እግሪ ፀወተአን ኖርዌያዊት ጋንታ ቦዶ ግሊምት 3 ን 0 ብምስዓር ናብዒ ፍፃመ ናይ ምሕላፍ ዕድላ ኣስፊሓ ኢያ፡፡
ቦዶ ግሊምት ኣብዚ ዓመተ ውድድር ክስተት መድረኽ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ዝኾነት ጋንታ ኢያ፡፡
ኣብዚ ውድድር ዓመት ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ከም ማንቼስተር ሲቲ፣ ኢንተር ሚላንን ኣትሌቲኮ ማድሪድን ዝበላ ዓበይቲ ጋንታታት ምስዓራ ኣይርሳዕን፡፡
ብኻእ መርሃ ግብሪ ምሸት ሰዓት 5 ማንቼስተር ሲቲ ኣብ ሜዳኣ ኢትሃድ ንሪያል ማድሪድ ክተተኣናግድ ኢያ፡፡㙀ኣብ ሳንቲያጎ ቤርናባው ኣብ ዝተገበረ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ሪያል ማድሪድ ብፌዴሪኮ ቫልቬርዴ ሰለስተ ሸቶታት 3 ን 0 ምስዓራ ይዝከር፡፡
ካሊእ ግንሊዛዊት ጋንታ ቼልሲ ብተመሳሳሊ ሰዓት ንፈረንሳዊት ጋንታ ፒኤስጂ ኣብ ስታምፎርድ ብሪጅ ክተተኣናግድ ኢያ፡፡
ኣብ ፓርክ ደ ፕሪንስ ኣብ ዝተገበረ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ፒኤስጂ 5 ን 2 ማምስዓራ ይፍለጥ፡፡
ኣርሰናል ኣብ ሜዳኣ ኢምሬትስ ምሸት ሰዓት 5 ምስ ባየር ሊቨርኩሰን ትገብሮ ፀወታ ካሊእ ናይዚ ዕለት ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ኢዩ፡፡
ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ባይ ኣሬና ዝገበረኦ ፀወታ ሓደ ማዕረ ተፈላሊየን ነይረን፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!