ቼልሲ ምስ ሊቨርፑል – ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ እዚ ዕለት
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 7ይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ቼልሲ ምስ መሪሕ እቲ ሊግ ሊቨርፑል ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡
ኣብ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ካብ ዘተኣናገደቶም ክልተ ተኸታተልቲ ስዕረታት ብምምላስ ንሊቨርፑል ኣብ ስታምፎርድ ብሪጅ እተተኣናግደሉ ፀወታ ምሸት 1፡30 ክጅመር ኢዩ፡፡
ካብዚ ፀወታ ኣቐዲሙ ኣጋግዘ ሰዓት 11፡00 ኣርሰናል ኣብ ቅልውላው ውፅኢት ንእትርከብ ዌስትሃም ዩናይትድ ክተተኣናግድ ኢያ፡፡
ብተመሳሳሊ ሰዓት ማንቼስተር ዩናይትድ ንሰንደርላንድ ኣብ ኦልድትራፎርድ እተተኣናግድ እንትከውን፥ እቲ ፀወታ ስግኣት ምስንባት ንዘለዎም ኣሰልጣኒ ሩበን ኣሞሪም ወሳኒ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡
ቶተንሃም ሆትስፐር ካብ ሜዳኣ ወፃእ ንሊድስ ዩናይትድ ትገጥመሉ ፈላማይ ፀወታ መርሃ ግብሪ እዚ ሰሙን ቀት ሰዓት 8፡30 ክካየድ ኢዩ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!