Fana: At a Speed of Life!

ቼልሲ ምስ ባርሴሎና ዝገብርዎ ትፅቢት ዝገበረሉ ፀወታ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሓምሻይ ዙር መርሃ ግብሪ ሊግ ሻምፒየንስ ኣውሮፓ ቼልሲ ምስ ባርሴሎና ዝገብርዎ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ይግበረሉ።

እቲ ፀወታ ሎሚ ሰዓት 5፡00 ምሸት ዝጅምር እንትኸውን፥ ክልቲኦም ጋንታታት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ሊጋታቶም ዝገበርዎ ፀወታታት ብምስዓር ካብ ዓወት ምላሽ ዝገብርዎ ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ኢዩ።

ኣብ ራብዓይ ዙር መርሃ ግብሪ ሊግ ሻምፒየንስ ቼልሲ ምስ ካራባግ፣ ባርሴሎና ምስ ክለብ ብሩጅ ብተወሳሳሊ ማዕረ ብዝኾነ ውፅኢት ዝተፈላለዩ እንትኾኑ፥ ናይ ሎሚ ፀወታ ንምስዓር ልዑል ንሕንሕክገብሩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ክልቲኦም ጋንታት ብሕድሕድ ካብ ዝገበርዎም 15 ዝሓለፉ ፀወታታት ቼልሲ ሓሙሽተ ጊዘ በምስዓር ፀብለልታ ኣለዎ።

ባርሴሎና ድማ ሰለስተ ጊዘ ኢዩ ክስዕር ክኢሉ።

ኣብ ሸውዓተ ፀወታታት ማዕረ ተፈላለዪዮም።

ብኣቤል ነዋይ

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.