ነበርን ናይ ሐዚ ኣመራርሓን ዝሓቖፈ ዑደት ምግባሩ ዝነኣድ ኢዩ -ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር )
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ነበርን ናይ ሐዚ ኣመራርሓን ዝሓቖፈ ዑደት ምግባሩ ዝነኣድ ኢዩ ኢሎም ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር )።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ነበርን ኣብ ስራሕ ዘለዉን ኣመራርሓ ብምዃን ኣብ ዞባ ባሌ ንሰለስተ መዓልታት ዝሰንሐ ዑደር ስራሕቲ ልምዓት ኣሳሊጦም።
ኣካል እቲ ዑደት ዝኾኑ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር )፥ ባሌ ቅድመ ሐዚ ይፈልጦ ኢየ ይኹን እንበር ሎ ዝረኣኹዎ ባሌ ዝነበራን ዘለዋን ሃፍቲ ዝገልፁ ስራሕቲ ኢዮም ኢሎም።
እቲ ዑደት ቅድመ ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይተለመደን ነባር ኣመራርሓ ዘካተተን ብምዃኑ እዚ ሓሳብ ዝነኣድ ከምዝኾነን ኣካል እዚ ዑደት ብምዃነይ ሕጉስ ኢየ ክብሉ ገሊፆም።
ኣብ ባሌ ዝስራሕ ስራሕቲ ልምዓት ካብ ክልል ኦሮሚያ ሓሊፉ ንሃገር እወን ልዑል ግደ ዘለዎ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ዝነበረ ዑደት ብሓባር ብምትሕብባር፣ ብምስራሕ ብቐንዱ ጠንካራ ናይ መሪሕነት ግደ ድማ ክሳብ ክንደይናይ ዝረብሕ ከምዝኾነ ዝተረዳእኹሉ ኢዩ ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም።
ብሶስና ኣለማየሁ