ነበር ኣፈፃሚ ስራሕ ሬዲዮ ፋና ኣይተ ሙሉጌታ ገሰሰ ኣብርሃ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ነበር ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ሬዲዮ ኣይተ ሙሉጌታ ገሰሰ ኣብርሃ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም።
ኣይተ ሙሉጌታ ካብ1984 ክሳብ 1992 ዓ.ም ንሬድዮ ፋና ብሓላፍነት ዝመርሑ እንትኾኑ፥ ድሕሪ እዚ ንሓፂር ግዜ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሜጋ መከፋፈልን አሓታሚን ብምዃን ኣገልጊሎም ኢዮም።
ብተወሳኺ ኣብ ሬዲዮ ድምፂ ወያነ ዋና ኣሰናዳኢ ብምዃን ከምዘገልገሉ ታሪኽ ህይወቶም ይገልፅ።
ካብ በዓልቲ ገዝኦም ተጋዳሊት ኣኸዛ ኣለነ ሓንቲ ጓልን ክልተ ኣወዳትን ዘፍረየዩ ኣይተ ሙሉጌታ ገሰሰ፥ ብዝሓደሮም ሕማም 25 ሓምለ 2017 ዓ.ም ኣብ መበል 66 ዕድሚኦም ካብ ዛዓለም ብሞት ተፈልዮም።
ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ብሕልፈት ህይወት ኣይተ ሙሉ ጌታ ዝተሰመዖ ሓዘን ብምግላፅ ንመልላእ ስድራ፣ ፈተውቲን ኣዕርኽቲን ፅንዓት ተመኒዩ።
………………………………………………………..//…………………………………………………………………..
……………………………………………………//………………………………………………………………………
ሙሉእ ታሪኽ ህይወት ኣይተ ሙሉ ጌታ ገሰሰ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።
ሙሉጌታ ገሰሰ ኣብርሃ ታሕሳስ 08/1954 ዓም ካብ ኣቡኡ ኣይተ ገሰሰ ኣብርሃን ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ መብራት ገብረማርያምን ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ኲሓ ተወሊዱ።ትምህርቲ ቀዳማይን ማእኸላይን ኣብ ኲሓ ተማሂሩ። ካብ 1966 ክሳብ 1969 ዓም ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ፈፂሙ። ካብ 1968 ክሳብ 1970 ዓም ኣብ ስርዒት ከተማ ህወሓት ኮይኑ ጋና በንኡሱ ምግዳል ዝጀመረ ተጋዳላይ ሙሉጌታ፥ ኣብቲ ህይወት ብምህጋር ዝካየድ ሕቡእ ቃልሲ ብሓዊ ተፈቲኑ። ብሰንኪ እዚ ብ1970 ዓ.ም ብስርዓት ደርግ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ቀይሽብር ተኣሲሩ ብዙሕ ስቅያት ብፅንዓት ሓሊፍዎ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስወፀ ኮሌጅ ትምህርቲ ተኸታቲሉ ምስወድአ ኣብ ኣጋርፋ ማእኸል መሰልጠኒ ሕርሻ በዓል ሞይ ኮይኑ ኣገልጊሉ።
ኣብ ስራሕ እናሃለወ ብ1976 ዓ.ም ብስርዓት ደርግ ኣብ ኣዲስኣበባን መቐለን ተኣሲሩ ምስፀንሐ ብ1978 ዓ.ም ብዝትኻየደ ኦፕሬሽን ኣግኣዚ መቑሕ ማእሰርቲ ሰይሩ።ብድሕሪኡ ንስርዓት ደርግ ንምድምሳስ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ዕጥቃዊ ቃልሲ ተጋዲሉ። ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ዝተሰለፈሉ መዋእል ታዕሊም ኣግኣዚ ወዱኡ ምስተመረቐ ብ1979 ዓም ኣብ ትሕቲ ፕሮፖጋንዳ ቢሮ ኣብ ማእኸል መፅናዕቲን ትርጉምን ተመዲቡ ነቲ ቃልሲ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ መፅሓፍቲ ካብ እንግሊዝኛ ናብ ትግርኛን ኣምሓርኛን ኣብ ምትርጓም በምስራሕ ህዝባዊ ጅግንነቱ ፈፂሙ።ብተወሳኺ ብትግርኛን ኣምሓርኛን ኣብ ዝዳለዉ ጋዜጣታት ወይንን የካቲትን ኣሰናዳኢ ብምዃን ተጋዲሉ።ኣብ ስነጥበባዊ ምህዞታት ዝላዓለ ክእለት ዝነበሮ ተጋዳላይ ሙሉጌታ፥ ሓፀርቲ ልበወለዳት፣ ግጥሚታት፣ ሓተታታን ትንታኔታትን ብምፅሓፍ በሊሕ ፀሓፊ ነይሩ።ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ሩሲያ መሰጥቲ ሓፀርቲ ልበወለዳት ካብ እንግሊዝኛ ናብ ኣምሓርኛ ብምትርጓም ጋዜጣታት ገድሊ ዚያዳ ተነበብቲን ተሃረፍቲን ክኾኑ ገይሩ።
ኣብ ማእኸል መፅናዕቲን ትርጉምን እናሃለወ ኣብ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ስነሓሳብን ጋዜጠኝነትን ድሕሪ ምስታፍ ብፖለቲካዊ ብቕዓቱ፣ብውፍይነቱ፣ብበሊሕን መሃዛይን ብርዑን ብርቱዕ ኣንደበቱን ድምፁን ተመሪፁ ኣብ ድምፂ ወያነ ሬድዮ ብዋና ኣሰናዳኢነት መደብ ኣምሓርኛ ተመዚዙ።ተጋዳላይ ሙሉጌታ ገሰሰ ኣብቲ ወርቃዊ ግዜ ጋዜጠኝ ድምፂ ወያነ ምዃኑ ዝእመነሉ መዋእል፥ ብሉፅ ተዋሳኢ ብምዃን ሙያ ጋዜጠኝነት ገድሊ ዝላ ከመዝግብ ዝላዓለ እጃም ኣወፊዩ። ኣብቲ ካብ 1980 ክሳብ 1983 ዓ.ም ዝነበረ ብርቱዕ ቃልሲ ፕሮፖጋንዳ መሪሕ ተርኡ ዝተፃወተ ሙሉጌታ፥ መደባት ድምፂ ወያነ ንሱ ብዝፅሕፎም ሓተታታት፣ልበወለዳት፣ድራማታት ሬድዮ፣ግጥሚታትን ቃለመሕትታትን ኣብ ዝላዓለ ብራኸ ክብፅሑ ክኢሎም።
ካብ ምንባብ ተፈልዩ ዘይፈልጥ ሙሉጌታ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ብስለት ዝወነነ እንትኸውን፥ መድረኻት ምይይጣት ገድሊ ብናቱ ብሱል ተሳትፎ፣ናይ ምትንታን ብቕዓት፣ናይ ምክታዕን ምእማንን ዓቕሚ ኩሉ ግዜ ምስደመቑ እዮም።ደፋር፣ዝለዓለ ዓርሰ እምነት ዘጥረየን ንዝኣመነሉ ኣረኣእያ ብግልፂ ካብ ምስጓም ንድሕሪት ዘይብል ተጋዳላይ ሙሉጌታ፥ ኣብ ግዜ ክትዕ ዘልዕሎም ነጥቢታት ብስለት ዕምቈትን ፍሉይ ኣመተ ዘለዎምን እዮም።
ዕጥቃዊ ቃልሲ ተዛዚሙ ብዓወት 1983 ዓ.ም ኣዲስኣበባ ምስተኣተወ፥ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ሬድዮ ብዋና ኣካያዲ ስራሕ ንሓፂር ግዜ ኣገልጊሉ። ድሕሪ እዚ ናብቲ መስራቲኡ፣ሃናፂኡን ምልክቱን ናብ ዝኾነሉ ሬድዮ ፋና ተመዲቡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ብምዃን ተጋዲሉ።ታሪኽ ዓወት ሬድዮ ፋናን መስራቲኡን መራሒኡን ሙሉጌታ ገሰሰ፥ ፈፂሞም ክፈላለዩ ዘይኽእሉ ኣብ ርእሲ ምዃኖም ኣብ ህንፀት ዘመናዊ ትካል ሬድዮ ስም ሙሉጌታ ብወርቃዊ ቀለም ተፃሒፉ ክነብር ዝገበረ እዩ።ዜናታት፣መደባት፣ስነጥበባት ሬድዮ ፋና ፀብለልታ ኣብ ዝረኸቡሉ ዘበን ተራ መሪሕነት ሙሉጌታ ገሰሰ ተኾሊዑ ዝረአ ኮይኑ እዩ።ጋዜጠኝነት ሬድዮ ትሰምዖ ጥራሕ እንተይኮነስ ትሳተፈሉ እውን ክኸውን ዝገበረ ሙሉጌታ፥ ብስልኪ ተሳተፍቲ በቐጥታ ፈነወ ክሳተፉ ብምግባር ንሬድዮ ናብ ህዝባዊ መስተጋብርነት ናይ ዝቐየረ መራሒ እዩ።ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ሕቡእ፣ሚሽጥራዊን ክተውገዐሉ ነውሪን ኣብ ዝነበረሉ ዘበን፥ ሙሉጌታ ብዝወልዖ ናይ ለውጢ ማዕበል እቶም እቲ ቫይረስ ዘለዎም ወገናት ብድፍረት ናብ ሬድዮ ቐሪቦም ኣስተምህሮ ክህቡን ቀዋሚ መደብ ሬድዮ ክህልዎምን ዝገበረ እዩ።
ካብ 1984 ክሳብ 1992 ዓ.ም ንሬድዮ ፋና ብሓላፍነት ዝመርሐ መሉጌታ፥ ንሓፂር ግዜ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሜጋ መከፋፈልን አሓታሚን ኮይኑ ሰሪሑ። ኣብ መሪሕነት ህወሓት ብሰንኪ ዝትፈጠረ ምክፍፋል ስርሑ ብፍቓዱ ለቒቑ።ብድሕሩኡ ኣብ ማሕበር ሰብሃፍቲ ኮንስትራክሽን ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኮይኑ ከገልግል ፀኒሑ።ብመዳይ ትምህርቲ ብቢዝነስ ኣድሚኒስትሬሽን ካብ ዓዲ እንግሊዝ ብማሰተርስ ዲግሪ ተመሪቑ እዩ።ዘይተሓተሙ ብዙሓት ግጥሚታትን ልበወለዳትን ዝደረሰ ተጋዳላይ ሙሉጌታ፥ ኣብ ብርክት ዝበሉ መድረኻት ስነጥበብ ብቐፃልነት ክሳተፍ ፀኒሑ። ብሉፅ ክእለት ኮሙኒኬሽን ምልከት ቋንቋታት እንግሊዝ፣ኣምሕርኛን ትግርኛን፣ብርቱዕ ኣንደበት፣ሰብኣዊ፣ህዝባዊን ቦቕቧቕን ዝኾነ ሙሉጌታ ዝላዓለ ተፈታዊነትን ኣኽብሮትን ዘጥረየ ወዲ ህዝቢ እዩ። ተጋዳላይ ሙሉጌታ ካብ መጋድልቱን ናይ ህይወት ዘበን ኣሚኑን በዓልቲ ገዝኡን ተጋዳሊት ኣኸዛ ኣለነ፥ ሓንቲ ጓል ኣነስተይቲን ክልተ ደቂ ተባዕቲዮን ወሊዱ። ተጋዳላይ ሙሉጌታገሰሰ ብዝሓደሮ ሕማም 25 ሓምለ 2017 ዓም ኣብ መበል 66 ዓመቱ ካብ ‘ዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።
ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን፥ ፅንዓት ንበዓልቲ ቤቱን ደቁን፣ ፅንዓት ልኣሕዋቱ ኣሓቱ፣ ንመልላእ ቤተዘመድ፣ ኣዕርኽቱን ፈተውቱን ተመኒዩ።