Fana: At a Speed of Life!

ነዳዲ ብሓላፍነት ንምጥቃም ዘኽእሉ ኣሰራርሓታት ብግቡእ ንኽትግበሩ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ምስ ዝተፈጠረ ቅልውላው ተተሓሒዙ ነዳዲ ብሓላፍነት ንምጥቃም ዘኽእሉ ኣሰራርሓታት ብግቡእ ንኽትግበሩ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣተሓሳሲቡ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ትማሊ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ነዳዲ ብቑጠባን ንመሰረታዊ ነገራትን ቅድሚት ብመሃብ ምጥቃም ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

በዚ ድማ ናይ ኤሌክትሪክ መኻይንን ናይ ህዝቢ ትራንስፖርትን ኣገልግሎታት ብግቡእ ምጥቃም፣ ለውጢ ባህሊ ምግናሕ ምግባር ከምኡ እውን ንፅሬት ቁፅፅርን ሓለዋ ከባቢ ትኹረት ምሃብ ከምዝግባእ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ እዋናዊ ዓለም ለኸ ፅዕንቶ ንምፅዋርን ኢኮኖሚ ሃገር ብዘላቕነት ንምድሓንን ብኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ፣ ብመንግስቲን ውልቀ ትካላትን ተግባራዊ ክግበሩ ዘለዎም ኣሰራርሓታት ኣመልኪቱ፡፡

ብነዳዲን ኤሌክትሪክን ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ነዳዲ ብምሕዳግ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ጥራሕ ንኽጥቀማ፤ ብነዳዲ ዝሰርሓ ድማ ናብ ኤሌክትሪክን ተፈጥሮ ጋዝ ናይ ምልዋጥ ስራሕ ምጥንኻር ከምዝግባእ እቲ ሚኒስቴር ኣገንዚቡ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ክሳብ 20 ቶን ዝፅዕና ናይ ፅዕነት ተሽከርከርቲ ናብ ኤሌክትሪክ ከምኡ እውን ልዕሊ 20 ቶን ዝፅዕና ከበድቲ ተሽከርከርቲ ናብ ተፈጥሮ ጋዝን ኤሌክትሪክን ንኽቕየራ ብምውዳድ ክሰርሓ ከምዘለወን ኣመልኪቱ፡፡

ብብርኪ ክልልን ፌዴራልን ዘለዉ ኩሎም ናይ መንግስቲን ፕሮጀክትን ተሽከርከርቲ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ኤሌክትሪክ ንኽዞሩ ብምግባር ዝተጀመረ ሃገራዊ ትልሚ ናብ ዝተማለአ ትግበራ ምስግጋር ማሸጋገር የድሊ ኢሉ፡፡

ሕብረተሰብ ኣውቶብስ፣ ባቡርን ካልኦት ናይ ህዝቢ ትራንስፖርትን ኣገልግሎታት ብስፍሓት ክጥቀምን ብዝወፅአ መርሃ ግብሪ ታሪፍ ኣገልግሎት ብዘይ ምቁርራፅ ንኽወሃብ እቲ ሚኒስቴር ኣተሓሳሲቡ፡፡

ካብ ሓደ ገዛ ብዙሓ መኻይን ነንበይንኻ ኣብ ክንዲ ምጥቃም ብሓባር ምጥቃም ከምዝግባእ ብምግላፅ፥ ኣብታ ከተማ ዝግበሩ ሓፀርቲ ጉዕዞታት ብእግሪን ብብስክሌትን ናይ ምግባር ባህሊ ምድንፋዕ ከምዝግባእ ተሓቢሩ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.