Fana: At a Speed of Life!

ነዳዲ ካብ ዝተቐመጠሉ ተመን ዋጋ ንላዕሊ ዝሸጡ ኣካላት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ይውዕሉ ኣለዉ – ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ነዳዲ ካብ ዝተቐመጠሉ ተመን ዋጋ ንላዕሊ ዝሸጡ ኣካላት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ይውዕሉ ኣለዉ ኢሎም ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ፡፡

እቶም ሚኒስትር ዕድጊት ነዳዲ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ መንግስቲ ንቐረብ ነዳዲ ልዑል ድጎማ እናገበረ ይርከብ ኢሎም።

ይኹን እምበር መንግስቲ ብሸርፊ ወፃኢ ልዑል ድጎማ ዝገብረሉ ነዳዲ ካብ ዝተቐመጠሉ ተመን ዋጋ ንላዕሊ ኣብ ዕዳጋ እናወዓለ ከምዝኾነ ብመፅናዕቲ ከምዝተረጋገፀ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ዝፈፀሙ ትካላት መንግስቲ ሓዊሱ ተሓባበርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ናይ ምውዓል ስራሕ ከምዝተጀመረ ኣብሪሆም።

ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘጋጠመ ጎንፂ ኣብ ቀረብ ነዳዲ ፅዕንቶ እናሕደረ ከምዝርከብ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር÷ ትማሊ ዝተገበረ መስተኻኸሊ ዋጋ ነዳዲ እውን ብመንፅር ዓለም ለኸ ዕዳጋ ወሰኽ ዋጋ ዝተሓተ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ይኹን እምበር እቲ ቅልውላው መወዳእትኡ ዘይተፈለጠ ብምዃኑ መንግስቲ ኣብ ቀፃሊ ኣብ መፅናዕቲ ዝተመስረተ ስርዓት ዕድጊት ዕቋር ንኽትግበር ዝገብር ኢዩ ኢሎም፡፡

መንግስቲ ዝጀመሮ ስራሕ ምኽባር ሕጊ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ብምሕባር÷ ዜጋታት ኣብዚ ጉዳይ ሓገዝ ንኽገብሩ ፀዊዖም።

ብሰለሞን በየነ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.