ነገሌ ኣርሲ ንምድረ ገነት ሽረ ስዒራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 13 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ነገሌ ኣርሲ ንምድረ ገነት ሽረ 1 ን 0 ስዒራ።
ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ፤ ነገሌ ኣርሲ ዝተዓወተትላ ሸቶ ከቤ ብዙነህ ኣመዝጊቡዋ።
ፀወታ እቲ ሊግ ቀፂሉ እንትካየድ ኣብ ተመሳሳሊ ስታዲየም ቀትሪ ሰዓት 10 ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን ኣዳማ ከተማን ክራኸባ ኢየን።
ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ሲዳማ ቡና ምስ ኣርባምንጭ ከተማ ክፃወታ ኢየን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!