ኒኮ ዊሊያምስ ኣብ ኣትሌቲክ ቢልባኦ ውዕሉ ኣናዊሑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ባርሴሎና ተደላዪ ዝነበረ ስፔናዊ ኣጥቃዒ ኒኮ ዊሊያምስ ኣብ ኣትሌቲክ ቢልባኦ ውዕሉ ኣናዊሑ።
እዚ ተፃዋታይ ናይ ካታላኑ ክለብ ክሕወስ ተቃሪቡ ዝብሉ ፀብፃባት ብስፋሓት ይወፁ ምንባሮም ይዝከር፡፡
ኮይኑ ግና እቲ ክለብ ሎሚ ከምዘፍለጦ ኒኮ ዊሊያምስ ክሳብ 2035 ዓ.ም.ፈ ኣብ ቢልባኦ ክፅንሕ ዝገብሮ ናይ ሸሞንተ ዓመት ውዕል ተፈራሪሙ።
ብሃይለማርያም ተገኝ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!