ናህሪ ዋጋ ኣብ ኢትዮጵያ ንኣስታት 20 ዓመት ብተኸታታሊ እናዓበየ መፂኡ ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትይር ኣቢይ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ናህሪ ዋጋ ኣብ ኢትዮጵያ ንኣስታት 20 ዓመት ብተኸታታሊ እናዓበየ መፂኡ ኢዩ ኢሎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒሰትር ነዚ ዝገለፁ፥ ብዛዕባ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ፣ እዋናዊ ፈተናታትን ቀፃሊ ኣንፈትን ኣብ ዝገበርዎ ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ኢዩ።
ብመሰረት እዚ ኣብ ፅባሕ ለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ ንዓመታት ክጓተት ዝመፅአ ፀገም ናህሪ ዋጋ ንምፍታሕ ፃዕሪ ይግበረሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ለበዳ ኮረና፣ ኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ምግጣሙ ደገፍ ክገብራ ዝነበራ ሃገራት ንናይ ባዕልተን ጉዳይ ጠመተ ንክህባ ምግባረን ኣዘኻኺሮም።
እዚ ድማ ዓለም ለኸ ትካላት ሓዊሱ ዝሕግዛ ዝተፈላለያ ሃገራት ሓገዘን፣ ምትሕብባረንን ድጋፈንን ብምትእጉጓሉ ናህሪ ዋጋ ንክውስኽ ኣስተዋፅኦ ምግባሩ ኣብሪሆም።
ብምኽኒያት እዚ ናብ ሃገራት ኣፍሪካ ዝፈስስ መጠን ድጋፍ ብልዑል ኩነታት ንክቕንስን እዚ ድማ ካብ ዝነበረ ፀገም ብምድጋፍ ንምውፃእ ፈተና ከምዝነበረ ገሊፆም።
ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠሙ ጎንፂታት ሙሉእ ዓቕሙ ኣብ ኢኮኖሚ ንከይነውዕል ጊዘ፣ ገንዘብን ጉልበትን ምውሳዱ ተወሳኺ ፀገም ኮይኑ መፂኡ ኢዩ ኢሎም።
ለበዳ ኮሮና ኣብ ዓለም ድሕሪ ምግጣሙ ናህሪ ዋጋ ንኩለን ሃገራት ፈተና ኮይኑ ምምፅኡ ብምግላፅ፥ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ኣቑሑ ናህሪ ዋጋ ናብ ውሽጢ ዓዲ እንትኣትዉ ከምዝነበረ ገሊፆም።
እዚ ፀገም ድማ ብምዕራፍ ብምክፍፋል ንምፍታሕ ጠመተ ሂብካ ምስርሑ ኣረዲኦም።
ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ክብሪ/እሴት ንምውሳኽ ናይ ምፍታን ስራሕ ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም።
ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ድማ ምብራኽ ከምዘለና ብምርድዳእ ቀስ ዝበለ ኣካይዳ ካብ ዝነበርናሉ ፀገም ከምዘየውፅእ ብምግንዛብ፥ ትካላት ብምህናፅ ንቀልጥፍ፣ ንምሃዝ በዝብል ውሳነታት ብምሃብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዝተሰርሐ ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ብማእኸላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመሃያ ዘውፅኦ ገንዘብ በቢዓመቱ 21 ሚኢታዊ ከምዝውስኽ ገሊፆም።
መንግስቲ ሰራሕተኛ ቅድሚ ለውጢ ኣስታት 1 ነጥቢ 7 ሚሊየን ከምዝነበረን ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ልዕሊ 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ከምዝኾነን ተዛሪቦም።
ብመሰረት እዚ ቁፅሪ ሰራሕተኛ መንግስቲ ብ44 ሚኢታዊ ከምዝወሰኸን ካብ መንጎ እዚ ድማ ቅድሚ ለውጢ ካብ ዝነበረ ቁፅሪ መምህራን 36 ሚኢታዊ ምውሳኹን ብዘሎ መጠን ጥራሕ መሃያ መምህራን 36 ምኢታዊ ክብ ምባሉ ሓቢሮም።
እዚ ድማ ዝነበረ ስብራት ትምህርቲ ንምፅጋን ዝተወሰደ ስጉምቲ ከምዝኾነን ለዕሊ 35 ሺሕ መዋእለ ህፃናት ኣብ ኢትዮጵያ ከመዝተሃነፀን ተዛሪቦም።
ብኣድማሱ ኣራጋው