Fana: At a Speed of Life!

ናብ ስሩዕ ስርዓት ቀረብ ነዳዲ ክሳብ ንምለስ ነዳዲ ብቑጠባ ምጥቃም ይግባእ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ናብ ስሩዕ ስርዓት ቀረብ ነዳዲ ክሳብ ንምለስ ነዳዲ ብቑጠባ ምጥቃም ይግባእ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡

እተን ከንቲባ ከምዝበለኦ÷ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ብዝተፈጠረ ቅልውላው ምኽንያት ሃገርና ሓዊሱ ነዳዲ ዓዲገን ዝጥቀማ ሃገራት ከንድላየን ቀረብ ንምርካብ ተፀጊመን ይርከባ።

ብምዃኑ ድማ ነበርቲ እታ ከተማ እቲ ፀገም ተፈቲሑ ናብ ስሩዕ ስርዓት ቀረብ ነዳዲ ክሳብ ንምለስ ነዳዲ ብቑጠባ ክጥቀሙ ኣለዎም ኢለን፡፡

ነበርቲ እታ ከተማ ሓፀርቲ መገዲታት ብእግሪ ብምጉዓዝ ከምኡ እውን ናይ ብስክሌት ኣማራፂን ናይ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲን ብምጥቃም ንኽተሓባበሩ እውን ፀዊዐን፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.