Fana: At a Speed of Life!

ናብ ፍፃምኡ ዝቐረበ 5ይ ዙር ውድድር ፋና ላምሮት ፅባሕ ቀፂሉ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ተፈታዊን ብሃንቀውታን ትፅቢት ዝግበረሉን 5ይ ዙር ውድድር ድምፃውያን ጎብለላት ፋና ላምሮት ፅባሕ ቀፂሉ ቀፂሉ ክካየድ ኢዩ።

ናብ ፍፃመ ዝቐረበ 5ይ ዙር ውድድር ፋና ላምሮት በቢሰሙን ዘደንቕ፤ መሕዘኒ ነገራት እውን እናተርኣዩሉ ኣብ መበል 11 ሰሙን በፂሑ ኣሎ።

ፅባሕ ተናሓናሕቲ ዝኾኑ መዓርግ ሃይሉ፣ ኤፍሬም ጌታቸው፣ ጴጥሮስ ማስረሻ፣ እየሩሳሌም ኣሰፋ፣ እዮቤል ፀጋዬን ናሆም ነጋሽን እንትኾኑ፤ ተወዳደርቲ ካብ ካልእ እዋን ብዝተፈለየ ብሓባር ዝወዳደሩሉ ዙር ብሃንቀውታ ትፅቢት ይግበረሉ።

ፅባሕ ኣብ ዝካየድ ውድድር ከምልሙድ ሓደ ጋሻ ብኽብሪ ክርከብ ኢዩ።

ኣብ ዕለታዊ ኣቀራርባ መሰረት ኣብ ዝገብር ውድድር ፋና ላምሮት በቢሰሙኑ ዳያኑን ተመልከትቲን ብዝህቡዎ ድምፂ ሓደ ሰብ ክሰናበት ኢዩ።

እዚ ድሙቕ ውድድር ብቐጥታ ፈነወ ልክዕ 6:00 ብፋና ቴሌቪዥን፣ ፋና+ን ኩሎም ኣማራፂታት ፋና ዲጂታልን ይከታተሉና።

ብለምለም ዮሃንስ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.