ናብ ፍፃምኡ ዝቐረበ 5ይ ዙር ውድድር ፋና ላምሮት ፅባሕ ቀፂሉ ክካየድ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ተፈታዊን ብሃንቀውታን ትፅቢት ዝግበረሉን 5ይ ዙር ውድድር ድምፃውያን ጎብለላት ፋና ላምሮት ፅባሕ ቀፂሉ ቀፂሉ ክካየድ ኢዩ።
ናብ ፍፃመ ዝቐረበ 5ይ ዙር ውድድር ፋና ላምሮት በቢሰሙን ዘደንቕ፤ መሕዘኒ ነገራት እውን እናተርኣዩሉ ኣብ መበል 11 ሰሙን በፂሑ ኣሎ።
ፅባሕ ተናሓናሕቲ ዝኾኑ መዓርግ ሃይሉ፣ ኤፍሬም ጌታቸው፣ ጴጥሮስ ማስረሻ፣ እየሩሳሌም ኣሰፋ፣ እዮቤል ፀጋዬን ናሆም ነጋሽን እንትኾኑ፤ ተወዳደርቲ ካብ ካልእ እዋን ብዝተፈለየ ብሓባር ዝወዳደሩሉ ዙር ብሃንቀውታ ትፅቢት ይግበረሉ።
ፅባሕ ኣብ ዝካየድ ውድድር ከምልሙድ ሓደ ጋሻ ብኽብሪ ክርከብ ኢዩ።
ኣብ ዕለታዊ ኣቀራርባ መሰረት ኣብ ዝገብር ውድድር ፋና ላምሮት በቢሰሙኑ ዳያኑን ተመልከትቲን ብዝህቡዎ ድምፂ ሓደ ሰብ ክሰናበት ኢዩ።
እዚ ድሙቕ ውድድር ብቐጥታ ፈነወ ልክዕ 6:00 ብፋና ቴሌቪዥን፣ ፋና+ን ኩሎም ኣማራፂታት ፋና ዲጂታልን ይከታተሉና።
ብለምለም ዮሃንስ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!