Fana: At a Speed of Life!

ናይቲ ማእኸል ምጥያሽ ዓቕሚ ምፍጣር ስራሕ ሰራዊት ዘጉልህ ኢዩ-ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ማእኸል ኢንተርፕርነርሽፕን ኢኖቬሽንን ሰራዊት ምክልኻል ምጥያሽ ዓቕሚን ክእለትን ምፍጣር ስራሕ ኣባላት ሰራዊት ዘጉልህ ኢዩ ክብላ ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ(ኢ/ር) ተዛሪበን።

እተን ሚኒስትር ምጥያሽ እቲ ማእኸል ጠመተ ብምግባር ኣብ ዝገበርኡ መደረ፥ እቲ ማእከል ዝተሓብአ ዓቕሚን ክእለትን ምህዞ ስራሕ ኣባላት ሰራዊት ብዝግባእ ክረአ ዝገብር ኢዩ ኢለን።

ብተዋሳኺ ንባዕሎምን ስድረኦምን ካብ ቀዋሚ ተቖፃሪነት ብምልቓቕ ነምዕባለን ዕብየትን ሃገር ዓብዪ ዓቕሚ ዝኾንሉ ዕድል ዘጠዓዕም ምዃኑ ገሊፀን።

ምጥያሽ እቲ ማእኸል ኣብ ጉዕዞ ሰራዊት ምክልኻል ገዚፍ ምዕራፍ ታሪኽ ዘቐምጥን ናይቲ ሪፎርም ሓደ ኣካል ከምዝኾነን ኣብሪሀን።

ሎሚ ምጥያሽ እቲ ማእኸል እነብስረሉን መሓዉራዊ ዓወት እንገልፀሉን ኣጋጣሚ ኢዩ ከብላ ገሊፀን።

ብመሳፍንት እያዩ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.