ናይ ለውጢ መንግስቲ ቱሪዝም ከም ሓደ መሰረት ኢኮኖሚ ብምውሳድ ብትግሃት ሰሪሑ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ናይ ለውጢ መንግስቲ ቱሪዝም ከም ሓደ መሰረት ኢኮኖሚ ብምውሳድ ብትግሃት ሰሪሑ ኢሎም፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ከምዝበሉዎ፥ ኢትዮጵያ ምስ ለውጢ ብዝመፅአ ዋጋሕታ ቱሪዝም እናደመቐትን እናለምዓትን ትርከብ፡፡
ኢትየጵያ ናይ ዘበናት መዝገብ ቱሪዝም እንትግለፅ ዝንበብ ብልክዑ ዘይደመቐ መልክኣ ተፈጥሮ፣ ብስሩዕ ዘይተገለፀ ናይ ታሪኽ ግርማ፣ ሌማት ኮይኑ ዘይቀረበ ሃፍቲን ፅባቐን ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዝመፅአ ለውጢ እዚ ናይ ዘበናት ፀገም ካብ መሰረቱ ብምውዕናው ሓዱሽ ዓምዲታት ልምዓት ቱሪዝም ዝተኸለ ከምዝኾነ ኢዮም ገሊፆም፡፡
ናይ ለውጢ መንግስቲ ቱሪዝም ከም ሓደ መሰረት ኢኮኖሚ ብምውሳድ ብትግሃት ከምዝሰርሐ ብምዝኽኻር፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ ድኻሙ ፍረ እናተኣከበን ኣዝመራ ሃገራዊ ፃዕሪ እናተዓፀደን ከምዝርከብ ኣመልኪቶም፡፡
ነዚ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) እቲ ዓውዲ ብቅልፂ ራኢ ተመልኪቶም ንቱሪዝም ዝነበረ ሓሳብ ካብ ምስትኽኻል ጀሚሩ ሃገርን ትውልዲን ማእኸል ዝገበረ ኣመራርሓ ብመሃብ ዝሰርሑዎ ስራሕ ነቲ ዓወት በሪ ዝኸፈተ ኢዩ ኢሎም፡፡