Fana: At a Speed of Life!

ናይ ለውጢ ትሩፋት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኣመራርሓታት መድረኽ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ናይ ለውጢ ትሩፋት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኣመራርሓታት መድረኽ ኣብ ሳይንስ ሙዚዬም ይካየድ ኣሎ፡፡

ብሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዝተሰናደአ እቲ መርሃ ግብሪ “ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ካበይ ናበይ” ብዝብል ሓሳብ ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ብመዓርግ ም/ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ም/ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ሓዊሱ ሚኒስትራትን ላዕለዎት ኣመራርሓን ተረኺቦም፡፡

ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ብዝተወገኑ ስራሕቲ ደቂ ኣንስትዮ ንቑሕ ተሳትፎ ገይረን።

ኣብ ትልሚ ልምዓት ዓሰርተ ዓመት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኩለመዳይ ንምድንፋዕ ዝተትሓዘ ሸቶ ጋህዲ ንምግባር ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾነ እውን ኣመልኪተን፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ለውጢ ዕዉታት ንኽኾኑ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣገንዚበን፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.