ናይ ሌማት ትሩፋት ንፍሪያት መዓር ዘበርክቶ ዘሎ ኣስተዋፅኦ ንምጥንኻር ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ፍሪያት ብምስሳን ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዘኽእሉ ተግባራት ይካየዱ ከምዘለዉ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።
“ኣናህብ ንከናኸን” በዝብል መሪሕ ሓሳብ ዓለም ለኸ መዓልቲ ንህቢን መበል ካልኣይ ኮንፈረንስ ዘላቒ ምፍራይ ንህብን ዝምድና እፅዋትን ኣብ ከተማ ጅማ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣይተ ኣደም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ውሕስነት ምግቢን ፍሪያት ንምስሳንን ዘኽእሉ ተግባራት ይካየዱ ከምዘለዉ ኣገንዚቦም።
መርሃ ግብሪ ሌማት ትሩፋት ቀንዲ ኣንፈት ብምዃን ይትግበር ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።
እቲ መርሃ ገብሪ ንፍሪያት ንህብን መዓርን ዘበርክቶ ዘሎ ኣስተዋፅኦ ንምጥንኻር ልዑል ጠመተ ከምዝተውሃቦ ኣፍሊጦም።
ብኣቤኔዘር ታዬ