Fana: At a Speed of Life!

ናይ ኢትዮጵያ ትሕቲ 18 ን 20ን ዓመት ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ናይ ኢትዮጵያ ትሕቲ 18 ን 20ን ዓመት ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ብሓፈሻዊ ተዓዋትነት ባንኪ ነግዲ ኢትዮጵያን ኣካዳሚ ስፖርት ኢትዮጵያን ተዛዚሙ።

ንዝሓለፉ ሸውዓተ መዓልታት ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ክካየድ ዝፀንሐ መበል 13 ትሕቲ 20 ዓመትን መበል ራብዓይ ትሕቲ 18 ዓመትን ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ልዕሊ 1 ሺሐን 190 ኣትሌታት ተሳቲፎም።

ኣብቲ ሻምፒዮና ኣካዳሚ ስፖርት ኢትዮጵያ በክልቲኡ ፆታ ብ279 ነጥቢ ተዓዋቲ እንትኸውን፥ መሰልጠኒ ማእኸል ጥሩነሽ ድባባን ክልል ኦሮሚያን ካልኣይን ሳልሳይን ብምኻን ውድድሮም ዛዚሞም።

ትሕቲ 20 ዓመት ኣብ ዝተሳለጡ ውድድራት ባንኪ ነግዲ ኢትዮጵያ ብ248 ነጥቢ ብክልቲኡ ፆታ ተዓዋቲ ኮይኑ።

ብተሾመ ሃይሉ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.