ናይ ኣዲስ ኣበባ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ 2017 ዓ.ምን ትልሚ 2018 ዓ.ም ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ 2017 ዓ.ምን ትልሚ 2018 ዓ.ም ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልኡ፥ ኣብ ባጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ እቲ 95 ሚኢታዊ ዕዉት ነይሩ ኢለን።
ብመሰረት እዚ ሕቶታት ሰናይ ምምሕዳር ዝምላሽ ዝረኸብሉ፣ ልዕሊ 15 ሺሕን 900 ፕሮጀክትታት ዝተኸንበትሉ፣ ብልምዓት ኮሪደር ፅቡቕ ገፅታ እታ ከተማ ዝተሃነፀሉን ተተካእቲ ቦታታት ንማሕበረሰብ ዝተውሃበሉን ነይሩ ኢለን።
ብተወሳኺ ኢንዱስትሪታት ዘለዎም ፀገማት ብምቕራፍ ፍሪያት ብምውሳኽ ተተካኢ ፍሪያት ምፍራይ ከምዝተኽኣለ ተዛሪበን።
ናይቲ ማሕበረሰብ ፅዕንቶ ናብራን ምኽባር ዋጋን ንምቕናስ ፍሪያታት ብዝተፈላለዩ ኣንፈታት ንክኣትዉ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ዕዳጋታት ንክቐርቡ ካብ መግባር ብተወሳኺ ዜጋታት ኣፍሪዮም ንክጥቀሙ ገይርና ኢና ኢለን።
ብቅድስት ኣባተ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!