ናይ ኤሌክትሮኒክስ ዋርፌር ዓቕምና ንምዕባይ ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኤሌክትሮኒክስ ዋርፌር ጉዳይ ህልውና እናኾነ ብምምፅኡ ኣብቲ ዓውዲ ቕምና ንምዕባይ ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ።
‘ልዕልና ኤሌክትሮማግኔቲክ ስፔክትረም ንሉኣላዊነት ሃገር’ ብዝብል መሪሕ ቃል ፈላማይ ሃገራዊ ወርክሾፕ ኤሌክትሮኒክስ ዋርፌር ተኻይዱ።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ ኣብ ዘበናዊ ውግእ ጉዳይ ህልውና ኣብ ዝኾነ ዓውዲ ዋርፌር ኤሌክትሮኒክስ ንምዕዛዝን ሃገራዊ ዓቕሚ ንምዕባይ ብዙሓት ስራሕቲ እናተሰርሑ ይርከቡ።
ካብ ምድሪ፣ ባሕሪ፣ ሓይሊ ኣየርን ሳይበርን ብተወሳኺ ልዕልና ኤሌክትሮኒክስ ስፔክትረም ኣብ ምርግጋፅ ንሃገራዊ ሉኣላዊነት ምውዓል ከምዝግባእ ገሊፆም።
ብቕዓት ዘለዎ ሓይሊ ሰብ ንምውዳብን እዋኑ ዝጠልቦም ዕጥቂታት ንምዕጣቕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ሃገርና እናተግበረቶ ትርከብ ስትራቴጂ ዲጅታል ኢትዮጵያ 2030 ኣካል ክኸውን ይግባእ ኢሎም።
ተበታቲኖም ዝርከቡ ሃገራዊ ዓቕሚታ ብምትእኽኻብ ምስራሕን ብርእሰ ዓቕሚ ምፍራይን ከምዝግባእ ብምሕባር፤ እቲ ወርክሾፕ ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ለምዲ ብምድማር ምሽ ዘበኑ ቴክኖሎጂ ንምምራኽ ፅኑዕ መሰረትን ዘንበረን ታሪኻኻ ኢዩ ኢሎም።
ዳይሬክተር ጀነራል ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ብግደኦም፤ ተለዋዋጢ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ዓለም ልዕልነት ቴክኖሎጂ ዘለዎን ነቲ ስፔክትረም ዝቆፃፀርን ሓይሊ ነገራት ከምዝቆፃፀር ኣገንዚቦም።
ሓቀኛ ሉኣላዊነት ሃገርና ንምርግጋፅ ኣብቲ ዓውዲ ተወዳዳሪ ምዃን እንትከኣል ጥራሕ ኢዩ ብምባል፤ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ከምዘገንዘቡ ኦንላይን ሚዲያ ምክልኻል ፋና ዲጂታል ገሊፁ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!