ናይ ፅልኢት ዘረባን ናይ ሕሶት ሓበሬታን ንምክልኻል ግደ ሕብረተሰብ …
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ናይ ፅልኢት ዘረባ፣ ናይ ሕሶት ሓበሬታን ንፅል ያታን ፈተናታት ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ኢዮም፡፡
ንፋና ዲጂታል ሞያዊ ሓሳቦም ዘካፈሉ ምሁራን ጋዜጠኝነትን ኮሙኒኬሽን እዞም ፈተናታት ንምሕላፍ ሕብረተሰብ ግንዛበ ሚዲያ ምዕባይ ወሳኒ ኢዩ ኢሎም፡፡
እቶም ምሁራን ከምዝብሉዎ፤ ብፍላይ ዲጂታል ሚዲያ ካብ ዘምፀኦም ሰናይ ዕድላት ብተፃራሪ ናይ ፅልኢት ዘረባን ናይ ሕሶት ሓሬታን ክስፋሕፋሕ ኣሉታዊ ኣስተዋፅኦ ገይሩ ኢዩ፡፡
ናይ ፅልኢት ዘረባን ናይ ሕሶት ሓበሬታን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝጋውሑሉ ሓደ ምኽንያት እቶም መልእኽቲታት ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ዘስዕቡዎም ጉድኣታት ኣቐዲሞም ብዘይምርዳእ ከምዝኾኑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ጋዜጠኝነት ኤሊያስ ወርቁ (ዶ/ር) ኣብሪሆም፡፡
ብኻእ መዳይ ኮነ ኢም ሰባት ንምስሕሓትን ንምግጫውን መሰል ሓበሬታታት ዘጋውሑ ኣካላት ከምዘለዉ እውን ሓቢሮም፡፡
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ መምህር ጋዜጠኝነት ጌታቸው ጥላሁን (ዶ/ር) ከምዝበሉዎ፤ ዲጂታል ሚዲያ ብፍልጠት፣ ብምስትውዓልን ብሓላፍነትን ምጥቃም እንተተኻሉ ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ፡፡
ይኹን እምበር ዝተረኸበ ዕድል ንሰናይ ዕላማ ኣብ ክንዲ ምጥቃም ሓላፍነት ብዝጎደሎ መገዲ ንጥፍኣት ብዝጥቀሙ ሰባት ምኽንያት ዲጂታል ሚዲያ ፍልፍል ስግኣት ክኸውን ገይሩዎ ኢዩ ይብሉ፡፡
ፈተና ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ዝኾኑ ናይ ፅልኢት ዘረባ፣ ናይ ሕሶት ሓበሬታን ንፅል ያታን ንምክልኻል መንግስቲ ካብ ዝወስዶም ስጉምቲታት ብዝዘለለ ግደ ሕብረተሰብ ወሳኒ ከምዝኾነ እቶም ምሁራን ኣገንዚቦም፡፡
መንግስቲ ናይ ፅልኢት ዘረባን ናይ ሕሶት ሓበሬታን ንምቁፅፃር ሕጊ ብምውፃእ ተሓታትነት ንምዕሳል እናሰርሐ ከምዝኾነ ይፍጥ፡፡
ብሕጊ ቁፅፅር ካብ ምግባር ሓሊፉ ሕብረተሰብ ዝበፅሑዎ ሓበረታታት ኩሎም ሓቂ ኢዮም ኢሉ ካብ ምቕባል ብጥንቃቐ ክምርምር ከምዝግባእ ጌታቸው ጥላሁን (ዶ/ር) ይምዕዱ፡፡
ነዚ ሓሳብ ዘጠናኽሩ ኤሊያስ ወርቁ (ዶ/ር)፤ ሕብረተሰብ ሓቀኛን ናይ ሕሶትን ሓበሬታታት ክፈልየሉ ዝኽእል መሰረታዊ ግንዛበ ክፈጥር ምግባር ካብ መንግስቲ፣ መራኸብቲ ሓፋሽን ካብ ምሁራን እቲ ዓውዲን ትፅቢት ከምዝግበር ኣገንዚቦም፡፡
ብሃይለማርያም ተገኝ
ቅልጡፍን እዋናዊን ሓበሬታታት ንምርካብ፡-
Website www.fanamc.com/tigrigna
Faceboo kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!