ንህንፀት ዘላቒ ሰላምን ጠንካራ ሃገረ መንግስቲን ዓሊሙ ኣብ ዝካየድ ዘተ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብንቕሓት ክሳተፍ ይግባእ-መንግስቲ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣገልግሎት ኮሚኒኬሸን መንግስቲ፥ ንሓበራዊ ተዓዋትነት፣ ንህንፀት ዘላቒ ሰላምን ጠንካራ ሃገረ መንግስቲን ዓሊሙ ኣብ ዝካየድ ዘተ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብንቕሓት ንክሳተፍ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዘውፅኦ መልእኽቲ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ፍልፍል ንዘበናት ዘይምርድዳእን እንክሔራን ከምኡ’ውን ጎንፂ ሕድሕድ ዝነበረ ድሑር ባህሊ ፖለቲካና ዝወለዶ ፀገም ኢዩ ኢሉ።
እዚ ፀገም ብመሰረታዊነት ንምቕራፍን ኣብ ሃገራዊ ዛዕባታትን ብሄራዊ ኣጀንዳታትን ዝረኣዩ ኣፈላላያትን ውጥጥን ንምፍታሕ ሃገራዊ ዘተ ወሳኒ ጉዳይ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።
መንግስቲ እወንታዊ ባህሊ ሰላም ነክነግስን ዝሰልጠነ ባህሊ ፖለቲካ ተሃኒፁ ኢትዮጵያዊያን ፀገማቶም ኣብ ጠረጴዛ ብሓሳብ ጥራሕ ምፍታሕ ኣለዎም ዝብል ፅኑዕ እምነት ከምዘለዎ እውን ገሊፁ።
ንተግባራውነቱ ድማ ብቑርፀኝነት ከምዝንቀሳቐስ ኣረጋጊፁ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ኩለ መዳይ ዝኾነ ሃገራዊ ዘተ ኣፈላላያትና ብዝሰልጠነን ሰለማዊን መገዲ ንምፍታሕ ዝረኸብናዮ ዘይትካእ ዕድል ከምዝኾነ ገሊፁ።
እዚ ዕድል ንኹሎም ኣካላት ዝተኸፈተ ዝኾነ ይኹን ወገን ዘይፈሊ ሓቛፊ ዕድል ዘተ ኢዩ ኢሉ።
ስለዝኾነ ነዚ ዕድል ንምጥቃም ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ደልዋት ንክኾኑ ኣገንዚቡ።
ኩሉ ኣካል ንሓበራዊ ተዓዋትነት፣ ንህንፀት ዘላቒ ሰላምን ጠንካራ ሃገረ መንግስቲን ዓሊሙ ኣብ ዝካየድ ዘተ ብንቕሓት ንክሳተፍ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!