Fana: At a Speed of Life!

ንሓደጋ ውሕጅ ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ዝነብሩ ዜጋታት ኣድላዪ ጥንቃቐ ክግበር ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጥላሁን ከበደ ንሓደጋ ውሕጅ ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ዝነብሩ ዜጋታት ኣድላዪ ጥንቃቐ ንኽገብሩ ፀዊዖም፡፡

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ከምዝበሉዎ÷ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጋሞ ኣበዚ ሰሙን ዝዘነበ ከቢድ ዝናብ ብዘስዐቦ ጉድኣት ምኽንያት ህይወት 30 ሰባት ሓሊፉ፡፡

ኣብቲ ዞባ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ልዑል ስግኣት ሓደጋ ውሕጅን ምግህማስ መሬትን ከጋጥም ከምዝኽእል ኣመልኪቶም፡፡

ብምዃኑ ድማ እዋኑ ዝናባማ ስለዝኾነን መሰል ሓደጋታትን ክድገሙ ስለዝኽእሉ ኣብ በረኽቲ ቦታታት ንምግህማስ መሬት ተቓላእቲ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ዝነብሩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣድላዪ ጥንቃቐ ንኽገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ጥላሁን በቲ ሓደጋ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ወገናት ዝተሰመመዖም ሓዘን ገሊፆም÷ ንስድራን ዘመድ ኣዝማድን እውን ፅንዓት ተመኒዮም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.