ንመበል 65 ዓመት በዓል ምስረታ ፍሉይ ወፍሪታት ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ኣፍልጦ ተዋሂቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ንመበል 65 ዓመት በዓል ምስረታ ፍሉይ ወፍሪታት ሰራዊት ምክልኻል ብዓወት ተኸቢሩ ንኽዛዘም ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት መርሃ ግብሪ ምስጋናን ኣፍልጦን ተኻይዱ።
ኣዛዚ ፍሉይ ወፍሪታት ሌተናል ጄነራል ሹማ ኣብደታ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ እቲ እዚ ንዝሓለፉ 65 ዓመታት ለኣላዊነት ሃገር ኣብ ምኽባር ዘይትካእ ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቱ፡፡
ብዝተፈላለዩ ወታደራዊ ምርኢታት እናተኸበረ ዝቐነየ በዓል ምስረታ እቲ እዚ ንመንእሰይ ወለዶ ታሪኽ ጅግንነት ዘመሓላለፍናሉን ሓድነትና ዘጠናኸርናሉም ኢዩ ኢሎም፡፡
እቲ በዓል ብድምቀት ንኽኽበር ሓገዝ ዝገበሩ ኣካላት ብምምስጋን፥ ሰራዊት ምክልኻል ምስ ህዝቢ ዘለዎ ምትእስሳር ብዝበለፀ ብምጥንኻር ንሰላምን ድሕንነትን ሃገር ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ሃዋሳ ጥራቱ በየነ ብግደኦም፥ ኩርዓት ሃገር ዝኾነ እዚ ፍሉይ ወፍሪታት በዓል ምስረታኡ ምትእስሳር ሰራዊትን ህዝቢን ዘርአየ ኢዩ ኢሎም፡፡
ምምሕዳር ከተማ ሃዋሳ እቲ በዓል ንኽዕወት ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገበረ ብምግላፅ፥ ነቲ ሰራዊት ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣረጋጊፆም።
እቲ በዓል ዕዉት ንኽኸውን ልዑል ሓገዝ ንዝገበሩ ኣካላት ኣርማ እቲ እዚን ምስክር ወረቐትን ከምዝተበርከተ ኦንላይን ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።