ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ዕፅው ኮይኖም ዝፀንሑ ዓውዲታት ምኽፋት ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ የዕቢ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ንመንግስታዊ ትካላት ልምዓት ሓዊሱ ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ዕፅው ኾይኖም ዝፀንሑ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ክዓቢ ከምዝኸኣለ ተገሊፁ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ዝገበሩ ቢዝነስ ፎረም 2025 ÷ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሰ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ከምኡ እውን ኢንቨስተራት ብዙሓት ሃገራት ዝተሳተፍሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣብቲ እዋን፤ ኢትዮጵያ ሰፊሕ መሬት፣ ልዑል ሃፍቲ ማይ፣ መንእሰይን ዝተማሃረ ሓይሊ ሰብን ከምኡ እውን ዝተማልአ መሰረተ ልምዓት ዘለዋ ሃገር ብምዃና ንኢንቨስትመንት ምችው ክትኾን ገይርዋ ኢሎም፡፡
ኢትዮጵያ ዝገበረቶ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ፣ ትካላውን መሓውራውን ፀገማት ዝፈትሕ ሪፎርምታት ዘላቒ ሃገራዊ ዕብየት ዘምፅኡ ምዃኖም ኣረዲኦም፡፡
ሕግን ፖሊሲን ምምሕያሽ ከምኡ እውን ንግድን ኢንቨስትመንትን ናይ ምኽፋት ስጉምቲታት ልዑል ውፅኢት የምፅኡ ኣለው ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ልዑል ዕብየት እናመዝገበ ምዃኑ ብምሕባር፤ ኣብ ዓውዲ ፋይናንስ ብምርግጋፅ ንኢንቨስተራት ምቹው ኩነታት ምፍጣር ምኽኣሉ ሓቢሮም፡፡
ዕዳጋ ካፒታል ኢትዮጵያ ናብ ስራሕ ምእታው ተወዳዳሪን ብውልቀ ዘፈር ዝምራሕን ኢኮኖሚ ኣብ ምህናፅ ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎ ኣረዲኦም።
ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዘለቀ ተመስገን(ዶ/ር) ብግዲኦም÷ መንግስቲ ኣብ ለውጢ ዓመታት ንዓውዲ ኢንቨስትመንት ልዑል ውፅኢት ምምዝጋቡ ሓቢሮም።