ንኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዝግበር ደገፍ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዮ- ኤጀንሲ ሓይሊ ኣቶሚክ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤምሲ) ንኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዝግበር ደገፍ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዮ ኢሉ ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ሓይሊ ኣቶሚክ ፡፡፡
ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ማርያኖ ግሮሲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ዝርከብ ምስ ኣኬባ “ሬይስ ኦፍ ሆፕ 2025” ጎና ጎኒ ኣብ ማእኸል ሕክምና ጨረር ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ዑደት ኣካይዶም፡፡
እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣብቲ እዋን ትካሎም ምስ ሚኒስቴር ጥዕና ኢትዮጵያ ብቐረባ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ ብቐዋሚነት ኣድላዩ እታወታት ሕክምና ድገፍ ንምግባር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።
ምስ እታወታት ሕክምና ብተወሳኺ ስልጠናን ቴክኒክን ደገፋት ንምግባር ከምዝቕፅሉ ገሊፆ፡፡
እቲ ሆስፒታል ብውሱን ናውቲ ሕክምና መንሽሮ ግልጋሎት ይህብ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ዋና ዳይሬክተር፤ ኣብ ቀፃሊ ዘርኣዩ ክፍተታት ብሓባር ንምፍታሕ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም፡፡
ንመራኦል ከድር
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!