ንኣትክልትን ፍራምረን ዝተውሃበ ቆላሕታ ንምዕባለ ኢኮኖሚ ልዑል ግደ ኣለዎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንኣትክልትን ፍራምረን ዝተውሃበ ቆላሕታ ንምዕባለ ኢኮኖሚ ልዑል ግደ ኣለዎ ኢሎም ተመራመርቲ ኢኮኖሚ።
ተመራማሪ እቲ ዓውዲ ኣቡሌ መሓሪ (ዶ/ር)፥ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንግዲ ወፃኢ ከብ ንምባልን ናህሪ ዋጋ ንምምዕርራይን ልዑል ግደ ዝፃወት ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ንኣትከልትን ፍራምረን ዝተውሃበ ቆላሕታ ቀፃልነት ብዘለዎ መገዲ ክስረሐሉ ከምዝግባእ ዘርኣዩ ድማ ተመራማሪ ኢኮኖሚ ኣረጋ ሹመቴ (ዶ/ር) ኢዮም።
በቢዓመቱ ዝትከሉ ፈልስታት ኣትክልቲን ፍራምረን ጥረ ኣቕሓ ኢንዱስትሪታት ካብ ምምላእ ብተወሳኺ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ምዕባለ ኢኮኖሚ ዝለዓለ ግደ ከምዘለዎም እቶም ተመራመርቲ ገሊፆም።
ብዙፋን ካሳሁን
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!