ንኣዲስ ኣበባ ዝገለፀ ናይ መጋቢት ለውጢ!
መጋቢት ኣብ ዑደት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምዕራፍን ዝኸፈተ መብሰሪት ጅማሮ ምዕራፍ ለውጢ ኮይና ተፃሒፋ ኢያ፡፡
ኣብ 24 መጋቢት ዝተበሰረ ለውጢ ኣብ ፈተናታት ውሽጢ ንኢትዮጵያ ናብ ብራኸ ዘሳግሩ ዓወታት እናመዝገበ ቀፂሉ ኣሎ፡፡
በዚ ለውጢን ስብራት ኢትዮጵያ ናይ ምሕካምን ጉዕዞ ኢትዮጵያ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቀዳመይቲ ተጠቃሚትን መርአያ ጭቡጥ ፍረ ለውጢን ኢያ፡፡ እታ ከተማ ኣብ ታሪኻ ሪኣቶ ብዘይትፈልጥ ቅልጣፈ ለውጢ ውዳበን ምስሊን እናተኣናገደት ትርከብ።
ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ዲፕሎማሲ ትኹን እምበር፣ ነዚ ማእኸልነታ ዝምጥን መሰረተ ልምዓት ዝተማለአላ ኣይነበረትን፡፡
ንነበርታ ይኹን ንበፃሕቲ ዝኾኑ እኹላት መዘናግዒታትን ሓምለዎት ስፍራታትን ኣይነበሩዋን። ድሕሪ ለውጢ ግን እዚ ታሪኽ ኣዚዩ ተቐይሩ ኢዩ።
ኣዲስ ኣበባ ከም ሓድነት፣ ሸገር፣ እንጦጦን ወዳጅነትን ዝበሉ ዓበይቲ ፓርክታት ዝረኸበት በዞም ናይ ለውጢ ዓመታት ኢዩ።
ፓርክታት ነታ ከተማ መብፅሒት ቱሪስት ካብ ምግባር ሓሊፉ፣ ንነበርታ ዝተመቸወት ትክትከውን ኣኽኢሉዋ ኢዩ፡፡
ከም ቤተ-መፃሕፍቲ ኣብርሆትን ሳይንስ ሙዚየምን ዝበሉ ዓበይቲ ትካላት ምህናፆም ንኣዲስ ኣበባ ማእኸል ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ንምግባር ዝተትሓዘ ሸቶ ልዑል ዓቕሚ ዝፈጥር ኢዩ፡፡
ልምዓት ኮሪደር ድማ ምስሊ ኣዲስ ኣበባ ንብ ዝለዓለ ደረጃ ኣሰጋጊሩዎ ኢዩ።
ሰፋሕቲ ናይ እግረኛ መገዲታት፣ ናይ ብስክሌት መስመራትን ዘበናዊ መብራህቲ ወሰን መገዲን እታ ከተማ ንነበርታ ምቹውቲን ማራኺትን ገይሮምዋ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!