ንኣፍሪካ ምዕባለ ዘምፅእ ስርዓት ምዘና ትምህርቲ ምዝርጋሕ ይግባእ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ንኩለን ሃገራት ኣፍሪካ ምዕባለ ዘምፅእ ስርዓት ምዘና ትምህርቲ ምዝርጋሕ ይግባእ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መበል 41 ዓመታዊ ኮንፈረንስ ሕብረት ምዘናታት ትምህርቲ ኣፍሪካ ከምዝበሉዎ፤ ትምህርቲ መሰረት ክብሪን ምዕባለን ኢዩ።
ኩሎም ህፃናትፃ ክመሃሩ ዝኽእሉሉ ፅባሕ ክፍጠር ከምዘለዎ ብምሕባር፤ ፅሬት ትምህርቲ ፍሉይ ውህብቶ ዘይኮነስ ንኹሎም ተበፃሒ ምግባር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ዕላማ ዓመታዊ ኮንፍረንስ ሕብረት ምዘናታት ትምህርቲ ኣፍሪካ እውን ፅሬትን ተበፃሕነትን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ምዘና ትምህርቲ ዝሕገዘሉ መሳርሒ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣበይ ከምዘለና እንርእየሉን ናበይ ከምንኸይድ እንምርሐሉን ጎደና ዘመላኽት ኢዩ ኢሎም።
እቲ ኮንፍረንስ ልውውጥ ተሞክሮ ዝግበረሉ ከምኡ እውን ፈጠራን መፅናዕቲታትን ብምክፋል ሓሳባት ናብ ዝሐሸ ምዕራፍ ብራኸ ዝሳገሩሉ ከምዝኸውን ኣብሪሆም።
ብለይኩን ኣለም
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!