Fana: At a Speed of Life!

ንክልል ትግራይ ናብ ጎንፂ ንምእታው ዝፅዕሩ ሒደት ነበር ኣመራርሓን ኣባላትን ህወሓት ህዝቢ የኣኽለኩም ክብሎም ይግባእ – ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ንክልል ትግራይ ዳግም ናብ ጎንፂ ንምእታው ዝፅዕሩ ሒደት ነበር ኣመራርሓን ኣባላትን ህወሓት ህዝቢ ብሓባር የኣኽለኩም ክብሎም ከምዝግባእ ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ቀዳማይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ኣይተ ጌታቸው ረዳን ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ብምጥማት ዘተ ኣካይዶም።

ኣይተ ጌታቸው ኣብቲ እዋን ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፤ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ምፍራሙ ንትግራይ ማእኸል ዅናት ንምግባር ድሌት ዘለዎም ኣካላት ሕልሞም ዘትረፈ ኢዩ ኢሎም፡፡

ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ምስ ተፈረመ ሕገ-መንግስቲን ስምምዕነት ፕሪቶሪያን መሰረት ብምግባር ተመዛበልቲ ብዝድለ መልክዑ ናብ መረበቶም ምምላስ ከምዘይተኽኣለ ኣልዒሎም።

ምኽንያቱ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ናይ ህዝቢ ኣጀንዳ ኣብ ክንዲ ምቕዳም ስልጣንን ስልጣንን ጥራሕ ብምባሉን ኣብዚ እቶ ዘይበሃል ስራሕ ብዘይምስርሑን ከምዝኾነ ተዛሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጠረ ፀገም ፐለቲከኛታት ትግራይ ዝፈጠሩዎ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣመራሓ ዝሓዞ ግትር ቅዋም ትግራይ ካብ ስግኣት ሓደጋ ከይትወፅእ እናገበራ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ዕላማኡ ፀገማት ብሕገ-መንግስታዊ ዓውዲ ክፍትሑ ምግባር ይኹን እምበር፤ ካብ ስሕተቶም ዘይመሃሩ ሒደት ነበር ሓይሊታት ህወሓትን ንስልጣን ክብሉ ናብ ጎንፂ ንምእታው ድሌት ከምዘለዎም እናገለፁ ከምዝርከቡ ተዛሪቦም።

ቅድሚ ሕዚ ዝተፈጠረ ጎንፂ ንህዝቢ ትግራይ ዋጋ ከምዘኽፈሎ ዝገለፁ ኣይተ ጌታቸው፤ ህዝቢ ትግራይ ተመሳሳሊ ነገር ከየጋጥሞ ናይዞም ሓይሊታት እኩይ ድሌት ክፈልጥ እናቃላዕና ንርከብ ኢሎም።

ኣብ ስልጣን ክቕፅሉ ዝደልዩ ሒደት ጉጅለ ኣመራርሓ ደቆም ኣቐሚጦም ደቂ ድኻ ናብ ሓዊ እናእተዉ ብተግባር እናርአዩ ከምዝርከቡ እውን ተዛሪቦም።

እዚ ሓይሊ ስልጣነይ እንተዘይተረጋጊፁ ኩሉ ነገር ገደል ይእቶ ዝብል ከምዝኾነ ብምግላፅ፣ ዕላማኡ ካብ ተሓታትነት ንምምላጥ ከምዝኾነ ኣልዒሎም።

ክልል ትግራይ ርክባ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ክኸውን ናይ ግድን ኢዩ ዝበሉ እቶም ኣማኻሪ ሚኒስትር፤ “ምስ እከለ ኮይነ ከጥቅዕ ይኽእል ኢየ ዝብል ክነቃልዖ ኣለና” ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.