ንዋና ኣሰልጠንቲን ኣተሓባበርቲን ክልል ምርጫን መበል ሻውዓይ ሓፈሻዊ ምርጫ ስልጠና ተዋሂቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንዋና ኣሰልጠንቲን ኣተሓባበርቲን ክልል ምርጫን መበል ሻውዓይ ሓፈሻዊ ምርጫ ስልጠና ሂቡ።
እቲ ቦርድ ምርጫ 24 ግንቦት 2018 ዓ.ም ንዝካየድ መበል ሻውዓይ ሓፈሻዊ ምርጫ ተግባራት ቅድመ ምርጫ ኣብ ምክያድ ከምዝርከብ ገሊፁ።
ብመሰረት እዚ 21 ክሳብ 22 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም ንዋና ኣሰልጠንቲን ኣተሓባበርቲን ክልል ምርጫን መበል ሻውዓይ ሓፈሻዊ ምርጫ ዝጠመተ ስልጠና ከመዝሃበ ኣፍሊጡ።
ኣካቢት እቲ ቦርድ ሜላትወርቅ ሃይሉ ኣብ ዝገበርኡ መደረ፥ እቲ ስልጠና ውፅኢታዊ ዝኸውን ብተዋረድ ሰልጠንቲ ናይቲ መረዳእታ ጥረ ሓቂ ምብፃሕ እንትኽእሉ ኢዩ ኢለን።
ዋና ሓላፊ እቲ ስልጠና መልሰው ክብረት ብግደኦም፥ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት ብተዋረድ ኣብ 22 ማእኸላት እቲ ሰልጠና ከምዝወሃብ ኣገንዚቦም።
ሕገ መንግስቲን ኣዋጃት እቲ ቦርዲን መሰረት ብምግባር ዝተሰናደአ ማንዋል ስልጠና ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ሓበሬታታትን ኣብቲ ስልጠና ዝተውሃቡ መሰረታዊ መትከላትን ከምዘለውዎ ናብ በቢብርኩ ዘለዉ ሰልጠንቲ ነክበፅሑ ኣተሓሳሲቦም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!