Fana: At a Speed of Life!

ንውፅኢታውነት ትግበራ ቀጣና ኣህጉራዊ ናፃ ንግዲ ብምውዳድ ምስራሕ ይግባእ-ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ንውፅኢታውነት ትግበራ ቀጣና ኣህጉራዊ ናፃ ንግዲ ብምውዳድ ምስራሕ ይግባእ ኢሎም ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወፃኢ ጃፋር በድሩ፡፡

ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወፃኢን ኣናእሽቱን ማእኸለዎትን ትካላት ንግዲ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት መንግስታት  ውፅኢታውነት ትግበራ ቀጣና ኣህጉራዊ ናፃ ንግዲ ዘለዎም ግደ ዝጠመተ ዘሰናደእዎ መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ጃፋር በድሩ፥ ኢትዮጵያ ብልዑል ቁርፀኝነት እቲ ስምምዕነት ምፅዳቓ ወሳኒ ስጉምቲ ኢዩ ኢሎም።

ይኹን አንበር እቲ ስምምዕነት ምፅዳቓ ንበይኑ ትካላዊ ጥንካረ፣ ገልፅነት ቁፅፅርን ንሙሉእ ትግበራ ዘድሊ ብቕዓት ሎጂስቲክስ ምፍጣር ከምዘየኽአል ሓቢሮም።

ተወዳዳሪነት ኣህጉራዊ ንግዲ ኢትዮጵያ ክብ ንምባል ኣብ ሓደ ትካል ጥራሕ ለውጢ ስለዘይመፅእ ብምውዳድ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካን ዓለም ለኸ ዕዳጋን ተወዳዳሪት ንክትከውን ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት መንግስታት(ዩኤንዲፒ)  ዝተፈላለዩ ደገፋት ይገብር ከምዘሎ ኣዘኻኺሮም።

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.