ንዓለም ካብ ፅዕንቶ ዘውፀአ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢራንን ኣሜሪካን ዝገበረኦ ናይ ክልተ ሰሙን ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ስዒቡ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ሓጎሰን እናገለፃ ይርከባ፡፡
ኢኮኖሚን ፖለቲካን ዓለም ኣብ ፅዕንቶ ዘእተወ ኲናት ማእኸላይ ምብራቕ 36 መዓልቲታት ተሳጊሩ ትማሊ ለይቲ ኢራንን ኣሜሪካ ንክልተ ሰሙን ዝፀንሕ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ገይረን።
ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ኢራን ብዓጃቢነት ሓይሊ ምክልኻላ ወሽመጥ ሆርሙዝ ክፍቲ ከምትገብር ተገሊፁ።
ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤኒያሚን ኔታኒያሁ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ግዚያዊ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ክግበር ምስምዕመዖም ከምዝድግፉ ገሊፆም።
ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ÷ እቲ ግዚያዊ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ንዘተ ዕድል ዝህብን ዘላቒ ምቁራፅ ተሑሺ ንምግባር መገዲ ስኸፍት ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡
ጃፓን፣ ኢራቅ፣ ግብፂ፣ ኢንዶኔዥያ፣ ማሌዥያ፣ ኣውስትራሊያ፣ ኒውዚላንድን ካልኦት ብዙሓት ሃገራትን ብቤት ዕዮ ጉዳያት ወፃኢአን ኣቢለን ብዝተበፅሐ ስምምዕነት ከምዝተሓጎሳ ገሊፆም።
እተን ሃገራት ዘላቒ ምቁራፅ ተኹሲ ንኽገብራ ከምዝሓተታ እውን ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ