Fana: At a Speed of Life!

ንዓብዩ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ንህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝውዕል 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ከምዝተኣከበ ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት ምትሕብባር ገሊፁ፡፡

ፈፃሚ ስራሕ ኮሙኒኬሽን ርክብ ህዝቢን ፐብሊክ ዲፕሎማሲን እቲ ቤት ፅሕፈት ሰለሞን ዳኒኤል ንፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ከምዝበልዎ÷ ኣብ ዝተተሓዘ በጀት ዓመት ንህዳሰ ግድብ 1 ነጥቢ 6 ቢልዮን ብር ንምእካብ ትልሚ ተታሒዙሉ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ካብ ሕብረተሰብ 1 ነጥቢ 2 ቢልዮን ብር ምእካቡ ብምሕባር፤ ህንፀት እቲ ፕሮጀክት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብሓፈሻ ልዕሊ 23 ቢሊየን ብር ተኣኪቡ ኢሎም።

እቲ ግድብ ዕውት ናይ ምዝዛም ምዕራፍ ትርከብ ዝበሉ ኣይተ ሰለሞን፤ እዚ ፕሮጀክት ዛዚምና ሪባን ክንቆርፅ ተቃሪብና ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ግድብ ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ዝዛዘም ቦንድ ምግዛእን ውህብቶ ንምብርካትን፤ ናብ 8100 A ኢልካ ብምልኣኽ ማሕበረሰብ ደገፉ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ብመሳፍንት እያዩ

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.