ንዘላቒ ሰላም ህዝቢ በዓል ዋና ምግባር ይግባእ-ምሁራን
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዘላም ንምፅናዕን ዘላቒ ንምግባርን ትካላት ሃይማኖትን ህዝቢን በዓል ዋና ምግባር ይግባእ ክብሉ ምሁራን ኣገንዚቦም።
ትካላት ሃይማኖት ሃገራዊ ምርድዳእ ብምፍጣር ኣብ መንጎ ህዝብታት ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ንምፅናዕ ርኡይ ግደ ከምዘለዎም እቶም ምሁራን ኣረዲኦም።
ምስ ህዝቢ ተኸታታሊነት ዘለዎ ዘተ ምግባር፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ክብ ምባል፣ ፀገማት ኣወሃህባ ኣገልግሎት ምቕራፍ ወሳኒ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ሰላም ንምፅናዕን ዘላቒ ንምግባርን ትካላት ሃይማኖትን ህዝብን በዓል ዋና ምግባር ከምዝግባእ ኣብ ዩንቨርስቲ ዋቻሞ መምህር ሰላምን ድሕንነትን ዝኾኑ ተመስገን ቶማስ (ዶ/ር) ብኣፅንኦት ገሊፆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝመፅአ ሰላም ዘላቒ ንምግባር ናይ ህዝብን ትካላት ሃይማኖትን ምውዳድ ወሳኒ ከምዝኾነ ድማ ተመራማሪ ሰላምን ድሕንነትን ዩንቨርስቲ ዲላ ያዕቆብ ጬቃ (ዶ/ር) ኣብሪሆም።
ብኣስጨናቂ ጉዱ