Fana: At a Speed of Life!

ንዘላቒ ዕቤት ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ዝተውሃበ ትኹረት ውፅኢት የምፅእ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣማኻሪ ማክሮ ኢኮኖሚ ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣካቢ ብሄራዊ ካውንስል ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ኣምባሳደር ግርማ ብሩ ንዘላቒ ዕቤት ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ዝተውሃበ ትኹረትን ምጥንኻር ዝተዋደደ ኣሰራርሓን ጭቡጥ ውፅኢት ኣምፂኡ ኢሎም፡፡

ናይ ምድማር መንግስቲ ንኢንዱስትሪያዊነት ምቹው ኩነታት ብምፍጣርን ብምውዳድ ብምስራሕን ዘላቒን ውፅኢታዊን ዕቤት ዓውዲ ኢንዱስትሪ ኣብ ምምፃእ ትኹረት ገይሩ።

ኣባላት ብሄራዊ ካውንስል ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ኣብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ፋብሪካታት ሓፂነ መፂን፣ ዓለባን ኣግሮ ኢንዱስትሪን ትዕዝብቲ ኣካይዶም።

‎ኣምባሳደር ግርማ ብሩ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ መንግስቲ ነባራዊ ኩነታት ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ብምርኣይ እናጋጠሙ ንዝርከቡ ማሕለኻታት መፍትሒ እናሃበ ይርከብ።

‎እቲ ካውንስል ኣብቲ ዓውዲ ዝረኣዩ ማሕለኻታት ተዋዲድካ ብምፍታሕ፣ ፋብሪካታት ብዝበለፀ ንኽጠናኸሩን ውፅኢታዊ ንኽኾኑን ሓገዝ እናገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ዑደት ኢንዱስትሪታት ብምርኣይ እናጋጠሙ ንዝርከቡ ፀገማት ብምውዳድ መፍትሒ ምሃብ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኢንዱስትሪታት ባህርዳር ኣብ ተካእቲ ፍርያታትን ዘፈር ሕርሻን ጥንኩር ምትእስሳሰር ብምፍጣር ጭቡጥ ውፅኢት መርኣያ ምዕዛብ ከምዝተኽኣለ ሓቢሮም።

ንዘላቒ ዕቤት ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ዝተውሃበ ትኹረትን ምጥንኻር ዝተዋደደ ኣሰራርሓን ልዑል ግደ እናተፃወተ ይርከብ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.