ንዝተመዝገቡ ትእምርታዊ ለውጢታት መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኣስተዋፅኦ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ለውጢ ዓመታት ዝተተግበሩ መመሓየሺታት ኢኮኖሚ ብኩሉ መዳይ ትእምርታዊ ለውጢታት ንኽምዝገቡ ኣስተዋፅኦ ገይሩ ኢዩ ኢሎም።
3 ጳጉሜን መዓልቲ ዝላ ኣመልኪቱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ስራሕቲ ምንቅስቓስ ፋብሪካ መገጣጠሚ ናይ ኤሌክትሪክ መኪና በላይነህ ክንዴ፣ ኤ ኤም ጂ ሆልንዲንግስን ቢጃይ ኢትዮ ኢንዱስትሪያል ኤንድ ኢንጂነሪንግ ሶሉሽንስን ተዓዚቦም።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሺዴ ኣብቲ እዋን ዑደት ከምዝበሉዎ፤ ኣብ ለውጢ ዓመታት ተግባራዊ ዝተገበረ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ብኩሎም ዓውዲታት ኢኮኖሚ ውፅኢት ንኽምዝገብ መሰረት ዘንበረ ኢዩ።
ኢንዱስትሪታት ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ፍርያት ብውሽጢ ሃገር ብምትካእን ከምኡ እውን ኣብ ሸርፊ ወፃኢ ልዑል ዓቕሚ ስለዝፈጠሩ እናተመዘገበ ንዘሎ ዝላ መርኣያ ኢዮም ኢሎም።
ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ብግደኦም፤ ኣፍራዪ ዘፈር ዝበረታትዑ ኣሰራርሓታት ተግባራዊ ብምግባሮም ጭቡጥ ውፅኢት እናተረኸቡ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።
በዚ ድማ ኣብ 2017 በጀት ዓመት 4 ነጥቢ 6 ቢሊየን ዶላር ዋጋ ዘውፅኡ ፍርያታት ብናይ ውሽጢ ሃገር ምትካእ ተኻኢሉ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!