Fana: At a Speed of Life!

ንዝኾነ ይኹን ግቡእ ድሉው ዝኾነ ጅግና፣ ብቑዕን ጥንኹርን ሰራዊት ተሃኒፁ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ካብ ብሄርን ፖለቲካን ነፃ ዝኾነ ሰራዊት ተሃኒፁ ኢሎም ላዕለዋይ ሓይሊታት ጦር ኤታማዦር ሹም ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡፡
መበል 65 ዓመት ምስረታ በዓል እዚ ፍሉይ ወፍሪታት ሓይልታት ምክልኻል ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ጦር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ሃዋሳ ብድሙቕ ተኸቢሩ።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብውሽጥን ብደገን ዝተፈሓሰላ ናይ ውክልና ኲናት ምሉእ ብምሉእ ብምግጣም ዘኹርዕ ዓወት ከምዘመዝገበት ገሊፆም።
ድሕሪ እቲ ለውጢ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ኩለመዳያዊ ስርሒታት ናይ ምክያድ ዓቕሙ ከምዝዓበየ ብምሕባር፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ንምትዕንቃፍ ዝፍጠሩ ሓይሊታት ኣብ ምፅራይ ከም ትካል ናይ ምልዋጥ ስራሕ ተሰሪሑ፡፡
ብኣቤል ነዋይ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.