ንጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ኣድላዪ ምድላው ተገይሩ-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ንመበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣድላዪ ምድላው ዛዚማ ኢሉ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ።
ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ነቢያት ጌቻቸው ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ ጉባኤ ነምትእንጋድ ኣድላዪ ምድላው ትሕዝቶን ሎጂስቲክስን ተገይሩ ኢዩ ኢሎም።
ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ 7 ክሳብ 8 ለካቲት 2018 ዓ.ም ዝካየድ እንትኸውን፥ ኣኼባ ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ሕብረት 4 ክሳብ 5 ለካሊት 2018 ዓ.ም ከምዝካየድ ተዛሪቦም።
እቲ ጉባኤ ኣብ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ዛዕባታት ናይ ኢትዮጵያ ፅባቐ ንምፍላጥ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ዓወት ዝተመዝገበሎም ተግባራት ዝምልከት ልምዳ ከምእተካፍል ሓቢሮም።
ብቐንዱ ድማ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ልምዓት ስርናይ፣ ልምዓት ኮሪደርን ኣርቴፊሻል ኢንተሌጀንስ ቴክኖሎጂን ዝተረኸቡ ጭቡጣት ለውጥታት ዝጠመተ ዘለዋ ልምዲ ክተካፍል ኢያ ኢሎም።
ብተወሳኺ ኣኼባ መራሕቲ ጣሊያን – ኣፍሪካ 6 ለካቲት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ኣብሪሆም።
ብኣመለወርቅ መኳንንት