ንጎረባብቲ ሃገራት ካብ ዝቐረበ መሸጣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ልዕሊ 118 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 2017 ንጎረባብቲ ሃገራት ካብ ዝሸጠ ሓይሊ ኤሌክትሪክ 118 ነጥቢ 1 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ ኢሉ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ፡፡
ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን እቲ ትካል ሞገስ መኮነን ንፋና ዲጂታል ከምዝገለፅዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ምትእስሳር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ብትኹረት ትሰርሕ ኣላ።
ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ኣብ ሓይሊ ምፍልፋል ኤሌክትሪክ ብትኹረት ብምስራሕ ናብ ወፃኢ ሃገራት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምቕራብ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንኬንያ፣ ጅቡቲ፣ ሱዳንን ታንዛንያን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ትሸይጥ ከምዘላ ኣብሪሆም።
ኣብ በጀት ዓመት 2017 ልዕሊ 25 ሽሕ ጊጋዋት ሰዓት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍራይ ትልሚ ከምዝነበረን፣ ልዕሊ 29 ሽሕ ጊጋዋት ሰዓታት ድማ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝፈረየን ገሊፆም።
ካብ ዝፈረየ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ውሽጢ ንኬንያ 85 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዶላር መሸጣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምክያድ ተተሊሙ 86 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዶላር ምርካቡ ሓቢሮም።
ብተወሳኺ ንጅቡቲን ሱዳንን ካብ ዝቐረበ መሸጣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ 30 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዶላርን 900 ሺሕ ዶላርን ከምዝተረኸበ ኣብሪሆም።
ንጎረባብቲ ሃገራት ካብ ዝቐረበ መሸጣ ኤሌክትሪክ ብሓፈሻ ልዕሊ 118 ነጥቢ1 ሚልዮን ዶላር ካብ መሸጣ ምርካቡ እቲ ዳይሬክተር ኣረዲኦም፡፡
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!