ንጥዕና ሕብረተሰብ ክጎድኡ ዝኽእሉ ፍርያት ጨው ስጉምቲ ተወሲዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ንጥዕና ሕብረተሰብ ክጎድኡ ዝኽእሉ ልዕሊ 13 ሽሕ ኩንታል ጨው ፍርያታት ስጉምቲ ወሲደ ኢሉ በዓል መዚ ምግቢን መድሓኒትን ኢትዮጵያ፡፡
ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ነጋሽ ስሜ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ከምዝበልዎ፤ እቲ ትካል ምስ ግልጋሎት ብሄራዊ መረዳእታን ደሕንነትን ብምዃን ኣብቲ ምህርቲ ሰፊሕ ምክትታል ክገብር ፀኒሑ፡፡
እቲ በዓል መዚ ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ዝተውሃቦ ሓላፍነት ዝተቀነባበሩ ፍርያታት ፅርየቶምን ደሕንነቶምን ኣብ ምህርቲ ወይ ድማ ናብ ዕዳጋ ምስተበተኑ ምቁፅፃር ከምዝገብር ኣረዲኦም፡፡
እቲ ትካል ብዝገበሮ ምክትታል ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሸገር ክፍለ ከተማ ንጥዕና ሕብረተሰብ ክጎድኡ ዝኽእሉ ደሕንነቱ ዘይሓለወ ልዕሊ 13 ሽሕ ኩንታል ፍርያት ጨው ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሉ ተዛሪቦም፡፡
ብሃይለማርያም ተገኝ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!