Fana: At a Speed of Life!

ንፈለማ እዋን ኣብ ግድብ ህዳሰ ዝገበርኩዎ ዑደት እቲ ፕሮጀክት ዝፈረሰ መንደር ይመስል ነይሩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጂኦፖለቲክስ ኢትዮጵያ ካብ ዝኽትምና ናብ ዝሐሸ ቁመና ምስግጋሩ ጋህዲ ክኸውን ግድብ ህዳሰ ኣኽኢሉ ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር “ወግዒ ኣብ ጉባ” ኣብ ብዝብል መሕትት÷ ግድብ ህዳሰ ንፈለማ እዋን ሕዚን ዝገበሩዎ ዑደት ብቓላት ኣተኣሳሲሮም ኣብ ኣእምሮ ስእሊ ክቕርፁ ከምዘይኽእሉ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ንፅፅር ኣዚዩ ተፃራሪን ዝተፈለየን ከምዝኾነ “ማይን ሓዊን” ከም ማለት ኢዩ ክብሉ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ቀዳማይ ዑደቶም ፕሮጀክት ግድብ ህዳሰ ልክዕ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኮሪደር ከምዝስራሕ ዝፈራረሰ መንደር ይመስል ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም፡፡

መብዛሕትኡ ነገር ኣዚዩ ዝተበላሸወ ነይሩ፤ ዝተነገረናን ኣብ ባይታ ዝነበረን ፍፁም ዘይጠዓዓም፤ በዚ ድማ ኣዚየ ሓዚነ፣ ተቖጢዐ ብልዑል ሕራነን ሓዘንን ተመሊሰ ኢሎም፡፡

ብኣንፃሩ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ግድብ ብዙሓት ዝተሓላለኹነገራት ሓሊፉ ኣብዚ ብምብቅዑ ልዑል ሓጎስን ሃሴትን ከምዝተሰመዖም ገሊፆም፡፡

እቲ ፕሮጀክት ፅዓትን ብቕዓትን ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘርኢ፣ ብምትእስሳር ብምድማር እንታይ ዓይነት ዘደንቕ ስራሕ ምውጋን ከምዝኽእል ዝተመሃርኩሉ ኢዩ ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡

ዝሓለፉ ኢትዮጵያውያን ይኹኑ መራሕቲ ከም ግድብ ህዳሰ ዝበለ ፕሮጀክት ንምህናፅ ድሌት ነይሩዎም፤ ፈተነ እውን ገይሮም ኢዮም፤ ምስ ናይ ወፃኢ ሰባት ተፀሓሒፎም ሰብ ሞያ ከምፅኡ ፈቲኖም ከምዝነበሩ እውን ፀሪሖም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ዓውዲ ኪነ ጥበብ ኣባይ ጉዱ ግድ መፂኡዎ፣ ናይ ኣባይ መዘዝ፣ ናይ ኣባይ ውሻጠ፣ ዝበሉ ፅሑፋት ከምዝሰነዱ ብምሕባር÷ ብዙሓት፣ ስነ ፅሑፋት፣ ደርፍታትን ምስቁንቋናትን ዝሓዙ ግጥሚታት ከምዝተፅሓፉ ኣልዒሎም፡፡

እቲ ግድብ ሽዑ ጋህዲ ዘይኮነሉ ምኽንያት ሕፅረት ገንዘብ፣ ውስንነት ዓቕሚ ቴክኒክ፣ ጂኦፖለቲካ ዓለም ዘይምምችቻውን ካልኦት ምኽንያታትን ክለዓሉ ከምዝኽእሉ ኣብሪሆም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ጋህዲ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ጂኦፖቲክስ ኢትዮጵያ ካብ ዝኽትምና ናብ ዝሐሸ ቁመና እናተሰጋገረ ዝርከበሉ እዋን ብምዃኑ ኢዩ ኢሎም፡፡

ኣብቲ መዳይ ዝነበረ ዝኽትምና ጂኦፖቲክስ ኣይንቕበልን፣ ንዓና ኣይምጥንን፣ ንቁፅርናን ታሪኽ ህዝብናን ዝጠቅም ኣይኮነን ኢልና ኣብ ጂኦፖለቲክስ ዝሐሸ ቁመና ንመሓዝ ኢዩ ክብሉ ኣገንዚቦም፡፡

እዞም መኽአልቲ ጉዳያት ናይ ዘበናት ሕልሚ፣ ናይ ዘበናት ብኽያትን ምስቁንቋንን ናብ ፍረ ክቕየር ኣኽኢሉ ኢዩ ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፡፡

ብመላኩ ገድፍ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.