ንፓርቲታት ሕጋዊ ተናሓናሕቲ ብምግባር ዲሞክራስያዊ ሃዋህው ንምፍጣር ብትኹረት ተሰሪሑ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ንፓርቲታት ተቃዋሚ ገይሩ ብምርኣይ ሕጋዊ ተናሓናሕቲ ገይሩ ብምትእንጋድ ዲሞክራስያዊ ሃዋህው ንምፍጣር ብትኹረት ተሰሪሑ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ከምዝበልዎ፤ ፖለቲካዊ ሃዋህው ምኽፋት ኣብ 2010 ዓ.ም ዝወሰድናዮ ቁልፊ ውሳነ እዩ።
ካብቲ እዋን ኣትሒዙ ንነዊሕ ዘበን ዝተሳገረ ንፓርቲታት ተቃዋሚ ገይሩ ብምርኣይ ሕጋዊ ተናሓናሕቲ ገይሩ ብምትእንጋድ ዲሞክራስያዊ ሃዋህው ንምፍጣር ኣሕይልና ሰሪሕና ኢሎም፡፡
እዚ ኣተሓሳስባ ስግግር ንሰላማዊ ውድድር ባህሊ ንመፃኢ ኢትዮጵያ ተስፋ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምእማን ዝተጣየሸ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።
በዙይ ቅዋም ተመሪሕና ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምስ ዝተመዝገቡ ፓርቲታት ተኸታታሊ መድረኻት ምክያድና ቀፂልና ኢና ኢሎም፡፡
ሎሚ ኣብዚ ሰሙን እናከየድናዮም ካብ ዘለው ዘተታት ዝምልከቶም ኣካላት ይኹን ተወከልቲ ፖለቲካዊ ዘተ ኣካይድና ክብሉ ገሊፆም።
እቲ ዘተ ተወከልቲ ከካብ ዝመፅእሉ ከባቢ ዝለዓሉ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ብምስማዕ እታወት ንምውሳድ ዝዓለመ ምዃኑ እዮም ዘረድኡ፡፡
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!