Fana: At a Speed of Life!

ን671 ሺሕን 589 ዜጋታት ዕድል ስራሕ ተፈጢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ እዚ ባጀት ዓመት ብምውፋር ስራሕ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ን671 ሺሕን 589 ዜጋታት ዕድል ስራሕ ተፈጢሩ ኢለን ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር)።

እተን ሚኒስትር ኣፈፃፅማ ናይ መጀመሪያ 100 መዓልታት 2018 ዓ.ም ጠመተ ብምግባር ኣብ ዘቕረብኡ ፀብፃብ፥ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢ ኣብ ዝተገበረ ምውፋር ስራሕ ንብዙሓት ዜጋታት ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ጠመተ ተዋሂቡ ተሰሪሑ ኢዩ ኢለን።

ብመሰረት እዚ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ን535 ሺሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ተዛሪበን።

ብተመሳሳሊ ኣብ ሃገራት ወፃኢ ን136 ሺሕን 589 ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ገሊፀን።

ንዝተረኸበ ውፅኢት ክእለት ዝመርሖ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቱ ኢዩ ኢለን።

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.