ኢራን ኣብ ቴል ኣቪቭ ልዕሊ 100 ዒላማዎች መጥቃዕቲ ፈፂማ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብዝወሰደቶ ግብረ መልሲ ኣብ ቴል ኣቪቭ ልዕሊ 100 ዒላማታት መጥቃዕቲ ፈፂማ፡፡
ኣብዮታዊ ዘብዒ ኢራን ከምዝሓበሮ÷ እቲ መጥቃዕቲ ትማሊ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ንዝተቐተሉ ራስ ገዝ መራሒ ድሕንነት ዓሊ ላርጃኒ ዝተውሃበ ግብረ መልሲ ኢዩ፡፡
በቲ መጥቃዕቲ ኮሮማሻር-4፣ ቃድር፣ ኤማድን ኬባር ሼካን ሚሳኤላት ኣብ ጥቕሚ ከምዝወዓሉ ተገሊፁ፡፡
ኣቲ ኣብዮታዊ ዘብዒ ካብ ቴል ኣቪቭ ብተወሳኺ ኣብ ከተማታት ወደብ ሃይፋ፣ ኢየሩሳሌምን ቤርሳቤህን ዝርከቡ ወታደራዊ ዒላማታት መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ኣፍሊጡ፡፡
ትማሊ ምሸት ዝተፈፀመ መጥቃዕ ጥራሕ 192 ሰዎች እንትጉድኡ 11 ሰባት ኣብ ዘተሓሳስብ ኩነታት ከምዝርከቡ ሚኒስቴር ጥዕና እስራኤል ኣረጋጊፁ፡፡
ብኻሊእ መዳይ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሂዝቦላህ እናካየደቶ ብትርከብ ወፍሪ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ማእኸላይ ቤሩት ሰፊሕ መጥቃዕቲ ፈኒያ፡፡
እስራኤል ብምድሪ ብትወስዶ ወፍሪ ቁፅሪ መወትቲ 912 ከምዝበፅሐ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡
መበል 19 ማልቱ ኣብ ዝሓዘ ኲናት፤ ኣሜሪካ ኣብ ወሽመጥ ሆርሙዝ ሰርሰርቲ ቦምቢታ ብምጥቃም ኣብ ስፍራታት ሚሳኤል ኢራን መጥቃዕቲ ምፍናዋ ቢቢሲ፣ ፕሬስ ቲቪን ኣልጀዚራን ፀብፂቦም፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!