Fana: At a Speed of Life!

ኢራን “ ዓርሰይ ንምክልኻል ዝፍፅሞ መጥቃዕትታት ኣጠናኺረ ክቕፅል እየ” ኢላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኢራን ነቲ ኲናት ደው ንምባል ምስ ኣሜሪካ ዝርርብ ምጅማራ ንምእማን ኣፀጋሚ እዩ ኢሎም።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ኣባስ ኣራጋቺ ከምዝበልዎ፤ ቴህራን ብወገን ፕሬዚዳንት ትራምፕ ነቲ ኲናት ደው ንምባል ዘቕረቦ ናይ መጀመርታ ሓሳብ ከም ዝነፀገቶን ናይ ባዕላ ቅድመ ኩነት ዕላዊ ገይሮም፡፡
ኢራን ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝኾነ ይኹን ናይ ምድርዳር ድልየት የብላን ኢሎም እቶም ሚኒስትር፤ ዓርሳ ንምክልካል እትፍፅሞ መጥቃዕቲ ኣጠናኺራ ትቕፅል እያ ኢሎም፡፡
ምላሽ እቶም ሚኒስትር ስዒቡ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ ኢራን ነቲ ኲናት ደው ንምባል ዝክኣለሉ ኩነታት ምስ ኣሜሪካ ዝርርብ ጀሚራ ንምእማን ፈሪሓ እያ ኢሎም።
ቴህራን ኣብዚ ጉዳይ ምስ ዋሺንግተን ንዝርከቡ ላዕለዎት ኣመራርሓ እናገበረት ምዃኑ ብምሕባር፤ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ኣብቲ ጉዳይ ኣፍራዪ ዘተ ምግባሩ ኣረዲኦም፡፡
ይኹን እምበር ስግኣት ዓለም ዝኾነ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ከብቅዕ ተስፋ ዝተገብረሉ ዝርርብ ኣካታዒ ኮይኑ ይቕፅል ኣሎ።
ብመላኩ ገድፍ
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.