Fana: At a Speed of Life!

ኢሬቻ ሰላም፣ ምስጋናን ሕብረትን ዝፀንዐሉ በዓል ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ኢሬቻ ሰላም፣ ምስጋናን ሕብረትን ዝፀንዐሉ በዓል ኢዩ ኢሎም።

7ይ ፎረም ኢሬቻ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ኣዳራሽ ሆረ ሃርሴዴ “ኢሬቻ ንብራኸ ሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ፎረም ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ሚኒስትር ተስፋዬ ቤልጂጌ (ዶ/ር)፣ ኣፈ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ሰኣዳ ኣብዱረህማን፣ ሚኒስትራት፣ ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ክልልን፣ ኣባ ገዳታት፣ ሃደ ሲንቄታትን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም፡፡

ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፤ ኣብቲ ክልል ኩለመዳይ ምዕባለ ንምርግጋፅ ብኩሉ መዳይ ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናተወገኑ ይርከቡ ኢሎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተወገኑ ዝርከቡ ወሰንቲ ሃገራዊ ስራሕቲ ልምዓት ንመፃኢ ግዘ መሰረት ዘንብሩ ከምዝኾኑ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ክብሪታት ባህሊ ብምጉላህ ንብራኸ ዓውዲ ቱሪዝም እናተሰርሐ ከምዝርከብ ብምሕባር፤ ኢሬቻ ሰላም፣ ምስጋናን ሕብትን ዝፀንዐሉ በዓል ኢዩ ኢሎም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.