ኢሬቻ ሰላም፣ ምስጋናን ሕብረትን ዝፀንዐሉ በዓል ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ኢሬቻ ሰላም፣ ምስጋናን ሕብረትን ዝፀንዐሉ በዓል ኢዩ ኢሎም።
7ይ ፎረም ኢሬቻ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ኣዳራሽ ሆረ ሃርሴዴ “ኢሬቻ ንብራኸ ሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብቲ ፎረም ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ሚኒስትር ተስፋዬ ቤልጂጌ (ዶ/ር)፣ ኣፈ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ሰኣዳ ኣብዱረህማን፣ ሚኒስትራት፣ ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ክልልን፣ ኣባ ገዳታት፣ ሃደ ሲንቄታትን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም፡፡
ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፤ ኣብቲ ክልል ኩለመዳይ ምዕባለ ንምርግጋፅ ብኩሉ መዳይ ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናተወገኑ ይርከቡ ኢሎም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተወገኑ ዝርከቡ ወሰንቲ ሃገራዊ ስራሕቲ ልምዓት ንመፃኢ ግዘ መሰረት ዘንብሩ ከምዝኾኑ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ።
ክብሪታት ባህሊ ብምጉላህ ንብራኸ ዓውዲ ቱሪዝም እናተሰርሐ ከምዝርከብ ብምሕባር፤ ኢሬቻ ሰላም፣ ምስጋናን ሕብትን ዝፀንዐሉ በዓል ኢዩ ኢሎም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!