Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ሩሲያን ምስጢራዊ ሓበሬታታት ሓይሊ ኒውክሌር ናይ ምሕላው ስምምዕነት ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክሌር ኢትዮጵያን ፕሮጀክታት ኢነርጂ ሮሳቶም ፌዴሬሽን ሩሲያን ሩሲያን ምስጢራዊ ሓበሬታታት ሓይሊ ኒውክሌር ናይ ምሕላው ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

እቲ ስምምዕነት ዝፈረሙ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክሌር ኢትዮጵያ ሳንዶካን ደበበን ዋና ዳይሬክተር ፕሮጀክታት ኢነርጂ ሮሳቶም ፌዴሬሽን ሩሲያ ኣንድሬ ሮዝድስትቪን ኢዮም።

ብኣይተ ሳንዶካን ደበበ ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ሩሲያ ሞስኮ ካብ 6 ክሳን 10 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም ፈላማይ ኣኽባ ክልቲኦም ወገናት እናተሳተፈ ይርከብ።

ኣብቲ ኣኼባ ምስጢራዊ ሓበሬታታት ናይ ምሕላው ስምምዕነትን ሰነዳት ፍኖተ ካርታን ንዘተ ቀሪቦም ምኽክር ተገይሩሎም።

ቴክኖሎጂ ኒውክሌር ብመንፅር ዘለዎ ዓለም ለኻዊ ውድድር ምስጢራዊ ሓበሬታታት ክሕሎ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ኢትዮጵያን ሩሲያን ናይ ኢትዮጵያ ፈላማይ ህንፀትን ልምዓትን ጣቢያ መፈልፈሊ ሓይሊ ኒውክሌር ንምቅልጣፍቅድም ኢሎም ዝተኣተዉ ስምምዓት ተግባራዊ ነምግባር ቆራጽ ከምዝኾና ተሓቢሩ።

እቲ ህንፀት ፕሮጀክት ጣቢያ ኒውክሌር ኣብ ምንቅስቓስ ልምዓት ኢትዮጵያ ልዑል ምዕራፍ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.